መስከረም
ሰንበት 1 መስከረም
ሓደ እኳ ንልሳኑ ዘይለጕም ክነሱ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ዘሎ እንተ መሲልዎ፡ ንልቡ እዩ ዜታልል ዘሎ፡ ኣምልኾኡ እውን ከንቱ እዩ።—ያእ. 1:26።
ንውህበት ዘረባ ጽቡቕ ጌርና ኽንጥቀመሉ ኸለና፡ ካልኦት ሰባት ኣምለኽቲ የሆዋ ምዃንና ኼለልዩ ይኽእሉ እዮም። ነቶም ኣብ ከባቢና ዘለዉ ሰባት፡ “ኣብ መንጎ እቲ ንኣምላኽ ዜገልግሎን ዘየገልግሎን” ዘሎ ፍልልይ ብንጹር ኪርእዩ ንሕግዞም ኢና። (ሚል. 3:18) ኪምበርሊ ዝስማ ሓብቲ ነዚ ኣብ ህይወታ ተመኪራቶ እያ። ኣብ ቤት ትምህርታ ኣብ እተዋህባ ፕሮጀክት ምስ ሓንቲ ጓል ክፍላ ኽትዓዪ ተመደበት። ብሓባር ድሕሪ ምዕያየን፡ ኪምበርሊ ኻብ ካልኦት ተምሃሮ እተፈልየት ምዃና፡ እታ ጓል ክፍላ ኣስተብሃለት። ስለምንታይሲ፡ ንኻልኦት ብድሕሪአን ኣይትነቕፈንን እያ፡ ዘረባኣ ኣወንታዊ እዩ፡ ጽዩፍ ቃላት እውን ኣይትጥቀምን እያ። ስለዚ፡ እታ ጓል ክፍላ በዚ ተመሰጠት፣ ኣብ መወዳእታኡ እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ዀነት። ንሰባት ናብ ሓቂ ብዚስሕብ መገዲ ኽንዛረብ ከለና፡ የሆዋ ባህ እዩ ዚብሎ! ኵላትና ንየሆዋ ኽብሪ ብዜምጽኣሉ መገዲ ኢና ኽንዛረብ እንደሊ። w22.04 5-6 ¶5-7
ሰኑይ 2 መስከረም
ኣንስቲ . . . ብገንዘበን የገልግላኦም ነበራ።—ሉቃ. 8:3።
የሱስ ንማርያም መግደላዊት ካብ ጽልዋ ኣጋንንቲ ሓራ ኣውጽኣ። ምስጋናኣ ሰዓቢቱ ኽትከውን፡ ከምኡ እውን ንኣገልግሎቱ ንምድጋፍ ደረኻ። (ሉቃ. 8:1-3) ነቲ የሱስ ብውልቃ ዝገበረላ ነገር ብዙሕ ተማስወሉ እኳ እንተ ነበረት፡ እቲ ዝዓበየ ውህበት ግና ገና ይመጽእ ምንባሩ ተገንዚባ ኽትከውን ኣለዋ። እወ፡ ብእኡ “ዚኣምን ኵሉ” ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ፡ ህይወቱ ሂቡ እዩ። (ዮሃ. 3:16) ማርያም እዚ ኸም ዚኸውን እናፈለጠት፡ ንየሱስ እምንቲ ብምዃን ሞሳኣ ኣርኣየቶ። የሱስ ኣብ ጕንዲ ስቅያት ኣብ ዚሳቐየሉ ዝነበረ እዋን፡ ማርያም ኣብ ጥቓኡ ደው ኢላ ንዕኡን ንኻልኦትን ስምዒታዊ ደገፍ ሃበት። (ዮሃ. 19:25) የሱስ ምስ ሞተ ኸኣ፡ ማርያምን ክልተ ኣንስትን ንቐብሩ ዚኸውን ሽቱ ሒዘን ናብቲ መቓብር መጻ። (ማር. 16:1, 2) ማርያም የሱስ ካብ ምዉታት ምስ ተንስአ፡ ክትረኽቦን ክትዛረቦን ብምኽኣላ ብዙሕ እያ ተሓጒሳ፣ እዚ መብዛሕትኦም ደቀ መዛሙርቲ ዘይረኸብዎ ፍሉይ መሰል እዩ።—ዮሃ. 20:11-18። w23.01 27 ¶4
ሰሉስ 3 መስከረም
ብኻ ዝሑል ወይስ ውዑይ ምዀንካ።—ራእ. 3:15።
በቲ ኣብ ሕሉፍ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዝገበርናዮ ጥራይ ኽንዓግብ የብልናን። ካብ ቀደም ብዝያዳ ንዓቕምና ዚድርት ኵነታት እኳ እንተሎ፡ ኵሉ ሳዕ ብዙሕ “ዕዮ ጐይታ” ኺህልወና ኣለዎ፣ ክሳዕ መወዳእታ እውን ንቑሓት ኴንና ኽንመላለስ ኣሎና። (1 ቈረ. 15:58፣ ማቴ. 24:13፣ ማር. 13:33) ኣምልኾና ብቕንኣትን ብምሉእ ልብን ከነቕርብ ኣሎና። የሱስ ናብቶም ኣብ ሎዲቅያ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ኻልእ ጸገም እዩ ኣጕሊሑ። ኣብ ኣምልኾኦም ‘ልቡጣት’ እዮም ነይሮም። ብሰንኪ እቲ ዘይተገዳስነቶም ከኣ፡ የሱስ “ምግዱርን ዜደንግጽን” ኢሉ ገሊጽዎም ኣሎ። ንየሆዋን ንኣምልኾኡን ውዕዉዕ ቅንኣት ኬርእዩ ነይርዎም። (ራእ. 3:16, 17, 19) እሞ ደኣ ኻብዚ እንታይ ንምሃር፧ ቅንኣትና እንተ ነክዩ፡ ንመንፈሳዊ ሃብቲ ዘሎና ሞሳ ኸም ብሓድሽ ከነጐሃህር ኣሎና። (ራእ. 3:18) ምሾት ዘለዎ ናብራ ኸም እነስግል ኪገብረና እሞ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ናብ ካልኣይ ደረጃ ኼውርዶ ፈጺምና ኽንፈቅድ የብልናን። w22.05 3-4 ¶7-8
ረቡዕ 4 መስከረም
ነቶም ንየሆዋ ዚፈርህዎ . . . መጽሓፍ መዘከርታ ኣብ ቅድሚኡ ተጻሕፈ።—ሚል. 3:16።
የሆዋ ንኣሽሓት ዓመታት ሓንቲ ፍልይቲ መጽሓፍ ይጽሕፍ ኣሎ። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ካብቲ ቐዳማይ እሙን ምስክር ዝዀነ ኣቤል ኣትሒዛ ዝርዝር ስማት ዝሓዘት እያ። (ሉቃ. 11:50, 51) ኣብ ብምሉኡ እቲ ዝሓለፈ ዘመናት፡ የሆዋ ብዙሕ ስማት ኣብታ መጽሓፍ ጽሒፉ እዩ፣ ሎሚ ድማ ብሚልዮናት ዚቝጽር ስማት ሒዛ ኣላ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ መጽሓፍ እቲኣ፡ “መጽሓፍ መዘከርታ፡” “መጽሓፍ ህይወት፡” “ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት” ተባሂላ ትጽዋዕ። (ሚል. 3:16፣ ራእ. 3:5፣ 17:8) ኣብዛ ፍልይቲ መጽሓፍ እዚኣ፡ ስማት ኵሎም እቶም ንየሆዋ ብፍርሃት ወይ ብዓሚቝ ኣኽብሮት ዜምልኽዎ፡ ንስሙ እውን ዜፍቅርዎ ሰባት ተጻሒፉ ኣሎ። ንሳቶም ከኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኣለዎም። ንሕና እውን ብመሰረት እቲ የሱስ ክርስቶስ ዝኸፈሎ በጃ ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ እንተ ኣማዕቢልና፡ ስምና ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኺጽሓፍ ይከኣል እዩ። (ዮሃ. 3:16, 36) ኣብ ሰማይ ክንነብር ተስፋ እንገብር ዘበልና ንኹን ወይስ ኣብ ምድሪ፡ ኵላትና ስምና ኣብታ መጽሓፍ እቲኣ ኺጽሓፍ ንደሊ ኢና። w22.09 14 ¶1-2
ሓሙስ 5 መስከረም
እቲ ዜስሕቶም ድያብሎስ ከኣ ናብቲ . . . ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ።—ራእ. 20:10።
ኣብ መጽሓፍ ራእይ ሓደ “ዓብዪ ቐይሕ ገበል” ተገሊጹ ኣሎ። (ራእ. 12:3) እዚ ገበል እዚ ኸኣ ምስ የሱስን መላእኽቱን ይዋጋእ እዩ። (ራእ. 12:7-9) ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኣምላኽ መጥቃዕቲ ይፍኑ፡ ነቲ ንፖለቲካውያን ሓይልታት ዜመልክት ኣራዊት እውን ስልጣን ይህቦ እዩ። (ራእ. 12:17፣ 13:4) እሞ ደኣ እዚ ገበል እዚ መን እዩ፧ ንሱ “ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሃል . . . ናይ ጥንቲ ተመን” እዩ። (ራእ. 12:9፣ 20:2) ንዅሎም እቶም ካልኦት ጸላእቲ የሆዋ ዚቈጻጸሮም እውን ንሱ እዩ። እቲ ገበል እንታይ ኪኸውን እዩ፧ ኣብ ራእይ 20:1-3፡ ሓደ መልኣኽ ንሰይጣን ናብ መዓሙቝ ከም ዚድርብዮ ተገሊጹ ኣሎ፣ እዚ ድማ ከም ዚእሰር የመልክት። ሰይጣን ናብቲ ማእሰርቲ እቲ ዚድርበ ኸኣ፡ “እተን 1,000 ዓመት ክሳዕ ዚውድኣ ንኣህዛብ ምእንቲ ኸየስሕቶም” ተባሂሉ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ሰይጣንን ኣጋንንቱን ሓንሳእን ንሓዋሩን ኪድምሰሱ እዮም፣ እዚ ድማ ናብ “ቀላይ ሓውን ዲንን” ከም ዚድርበዩ ጌርካ ተገሊጹ ኣሎ። ሰይጣንን ኣጋንንቱን ዘይህልዉላ ዓለም እሞ ብኣእምሮኻ ስኣላ። እቲ ግዜ እቲ ዜደንቕ ኪኸውን እዩ! w22.05 14 ¶19-20
ዓርቢ 6 መስከረም
ነቲ ስኡን ዜማቕሎ ምእንቲ ኺህልዎስ፡ ሰናይ እናገበረ ደኣ ብኣእዳዉ ይጽዓር።—ኤፌ. 4:28።
የሱስ ትጉህ ሰራሕተኛ እዩ ነይሩ። ብግዜ ንእስነቱ፡ ጸራቢ ዀይኑ ይዓዪ ነይሩ እዩ። (ማር. 6:3) ወለዱ ነታ ብዙሓት ኣባላት ዘለውዋ ስድራ ቤት ዜድሊ ንምምላእ ብትግሃት ኪዓይዩ ኸለዉ፡ ንሓገዙ ብዙሕ የማስዉሉ ነይሮም ኪዀኑ ኣለዎም። የሱስ ፍጹም ሰብ ስለ ዝነበረ ኸኣ፡ እቲ ኸም ጸራቢ መጠን ዚዓይዮ ዕዮ ብዙሕ ተደላይነት ነይርዎ ኪኸውን ኣለዎ! መሸም ብስራሑ ባህ ይብሎ ነይሩ ኪኸውን ኣለዎ። ይኹን እምበር፡ ዓለማዊ ስራሑ ብትግሃት እናዓየየ ኽነሱ፡ ንመንፈሳዊ ንጥፈታት ግዜ ይምድብ ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 7:15) ጸኒሑ፡ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልጋሊ ምስ ኰነ፡ ንሰማዕቱ “ንዚበላሾ ምግቢ ዘይኰነስ፡ ነቲ . . . ንህይወት ዘለኣለም ዚነብር ምግቢ ዕየዩ” ኢሉ መኺርዎም እዩ። (ዮሃ. 6:27) ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት ከኣ፡ “ኣብ ሰማይ መዛግብቲ ኣክቡ” ኢሉ እዩ። (ማቴ. 6:20) ኣምላኻዊ ጥበብ ብዛዕባ ዓለማዊ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ኺህልወና ይሕግዘና እዩ። ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን፡ ‘ሰናይ ክንገብርን ክንጽዕርን’ ንምሃር ኢና። w22.05 22 ¶9-10
ቀዳም 7 መስከረም
ኣዴኻ . . . ባህ [ይብላ]።—ምሳ. 23:25።
ኤውንቄ ንጢሞቴዎስ ሰናይ ኣብነት ኰይናቶ እያ። ንሱ ኸኣ ተግባራት ኣዲኡ ኻብቲ ንየሆዋ ዘለዋ ሓያል ፍቕሪ እተላዕለ ምዃኑን ኣዲኡ በቲ ንየሆዋ እተቕርቦ ኣገልግሎት ከም እትሕጐስን ብርግጽ ይርኢ ነይሩ እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ሎሚ ብዙሓት ኣዴታት “ብዘይ ቃል” ልቢ ኣባላት ስድራ ቤተን ኪትንክያ ኽኢለን እየን። (1 ጴጥ. 3:1, 2) ንስኺ እውን ከምኡ ኽትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። ብኸመይ፧ ነቲ ምስ የሆዋ ዘሎኪ ርክብ ቀዳምነት ሃብዮ። (ዘዳ. 6:5, 6) መሸም ከም መብዛሕትአን ኣዴታት፡ ብዙሕ መስዋእቲ ትገብሪ ኢኺ። ንደቅኺ ንምክንኻን፡ ግዜኽን ገንዘብክን ድቃስክን ካልእ ነገራትን መስዋእቲ ትገብሪ ኢኺ። በዚ ነገራት እዚ ኣመና ትሕዝቲ ኻብ ምዃንኪ እተላዕለ ግና ምስ የሆዋ ዘሎኪ ርክብ መስዋእቲ ኽትገብሪ የብልክን። ንብሕታዊ ጸሎትን ንብሕታዊ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ንኣኼባታት ጉባኤን ኣዘውቲርኪ ግዜ መድቢ። ከምኡ እንተ ጌርኪ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ገዛእ ርእስኺ ኸተደልድሊ፡ ንስድራ ቤትኪ ዀነ ንኻልኦት ከኣ ሰናይ ኣብነት ክትኰኒ ኢኺ። w22.04 16 ¶1፣ 19 ¶12-13
ሰንበት 8 መስከረም
ስጕምቲ ውሰድ፡ ንገላዉኻ ድማ ፍረደሎም፣ ነቲ እኩይ በዳሊ ግበሮ፡ ከምቲ ዝገበሮ እውን ኣብ ርእሱ ምለሰሉ፣ ነቲ ጻድቕ ከኣ ንጹህ ግበሮ።—1 ነገ. 8:32።
ንውልቀ ሰባት ናይ ምፍራድ ጾር ንሕና ኽንስከሞ ኸም ዘይብልና ምፍላጥና፡ ዓብዪ እፎይታ እዩ ዚፈጥረልና! የሆዋ ልዑል ፈራዲ ብምዃኑ፡ ነዚ ኣገዳሲ ዕዮ እዚ ንሱ እዩ ዚዓይዮ። (ሮሜ 14:10-12) ወትሩ ምስቲ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘለዎ ፍጹም መለክዒታት ተሰማሚዑ ኸም ዚፈርድ ምሉእ እምንቶ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። (ዘፍ. 18:25) ንሱ ፈጺሙ ኣይዕምጽን እዩ! ነቲ የሆዋ ንዅሉ እቲ ሰብኣዊ ዘይፍጽምና ዜስዕቦ ሕማቕ ሳዕቤናት ምሉእ ብምሉእ ዜዐርየሉ እዋን ሃረር ኢልና ኢና እንጽበ። ኣብቲ እዋን እቲ፡ ኵሉ ኣካላውን ስምዒታውን ቍስሊ ንሓዋሩ ኺፍወስ እዩ። (መዝ. 72:12-14፣ ራእ. 21:3, 4) ከቶ እውን ኣይኪዝከርን እዩ። እቲ ዜደንቕ ግዜ እቲ ኽሳዕ ዚመጽእ፡ የሆዋ ይቕረ ናይ ምባል ክእለት ብምሃብ ንዕኡ ኽንመስሎ ስለ ዘኽኣለና፡ ብዙሕ ነመስግኖ ኢና። w22.06 13 ¶18-19
ሰኑይ 9 መስከረም
እቲ ፈራድ ኵላ ምድርስ ቅኑዕዶ ኣይገብርን፧—ዘፍ. 18:25።
ንፉዕ ፈራዲ ብዛዕባ ሕጊ ዓሚቝ ፍልጠት ኪህልዎ ኣለዎ። ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ብልክዕ ዚፈልጥ ኪኸውን ኣለዎ። ካልእከ እንታይ እዩ ዜድልዮ፧ ቅድሚ ምፍራዱ፡ ንዅሉ እቲ ምስቲ ጕዳይ እተኣሳሰረ ሓቅታት ኣብ ግምት ኬእቱ ኣለዎ። ኣብዚ መዳይ እዚ እውን የሆዋ ኸም ፈራዲ መጠን ፍሉይ ብቕዓት ኣለዎ። ሰብኣውያን ፈረድቲ ብዛዕባ እቲ ዚቐርበሎም ጕዳይ ኵሉ ሓቅታት ኣይፈልጡን እዮም። የሆዋ ግና ንዅሉ እቲ ሓቅታት ምሉእ ብምሉእ ይፈልጦ እዩ። (ዘፍ. 18:20, 21፣ መዝ. 90:8) በቲ ሰባት ዚርእይዎ ወይ ዚሰምዕዎ ኣይድረትን እዩ። ሓደ ሰብ ዚገብሮ ተግባራት በቲ ዝወረሶ ጂንን ብኣተዓባብያኡን ብኸባቢኡን ብስምዒቱን ብኣእምሮኣዊ ጥዕናኡን ብኸመይ ከም ዚጽሎ የሆዋ ኣጸቢቑ ይርድኦ እዩ። ብዘይካዚ፡ የሆዋ ልቢ የንብብ እዩ። ንውሽጣዊ ድራኸን ንሃቐናን ንትምኒትን ነፍሲ ወከፍ ሰብ ምሉእ ብምሉእ የስተውዕል እዩ። ካብኡ ዚሕባእ ዋላ ሓንቲ የልቦን። (እብ. 4:13) ስለዚ፡ የሆዋ ዅሉ ሳዕ ብዛዕባ ዅነታት ኣብ ዘለዎ ምሉእ ፍልጠት ተመርኲሱ እዩ ይቕረታ ዚገብር። w22.06 4 ¶8-9
ሰሉስ 10 መስከረም
ሰብ ኣብ ክንዲ ህይወቱ ዘለዎ ዅሉ ይህብ እዩ።—እዮ. 2:4።
ሎሚ እውን ሰይጣን ኣብ ልዕሌና ተመሳሳሊ ሜላታት ስለ ዚጥቀም፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ እዮብ እተጠቕመሉ ስልትታት ከነቕልበሉ ኣሎና። ብኻልእ ኣበሃህላ ሰይጣን፡ ንየሆዋ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም ዘይነፍቅሮ፡ ምእንቲ ህይወትና ኢልና ኸኣ ዝባንና ኸም እንህቦ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ብዘይካዚ እውን ሰይጣን ኣምላኽ ከም ዘየፍቅረናን ነቲ ንዕኡ ባህ ንምባል እንገብሮ ጻዕርታት ከም ዘየስተብህለሉን ይማጐት እዩ። እዚ መጠንቀቕታ እዚ ኻብ ተዋህበና፡ ብየሆዋ ተስፋ ስለ እንገብር፡ ብስልትታት ሰይጣን ኣይንዕሾን ኢና። ንዜጋጥመና ፈተናታት፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ኽንፈልጥ ዜኽእለና ኣጋጣሚ ጌርና ኽንርእዮ ኣሎና። እዮብ ሳላ እቲ ዘጋጠሞ ፈተናታት፡ ገሊኡ ድኽመታቱ ኼለልን ኪእርምን ክኢሉ እዩ። ንኣብነት፡ ዝያዳ ትሕትና ኼማዕብል ከም ዜድልዮ ፈሊጡ እዩ። (እዮ. 42:3) ንሕና እውን ኣብ ትሕቲ ፈተና ኽንከውን ከለና፡ ብዛዕባ ገዛእ ርእስና ብዝያዳ ኽንፈልጥ ንልኽእል ኢና። ድኽመታትና ምስ ኣለለና ኸኣ፡ ክንእርሞ ንኽእል ኢና። w22.06 23 ¶13-14
ረቡዕ 11 መስከረም
“ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” ይብል የሆዋ፡ “እወ፡ . . . ዝሓረኽዎ ጊልያይ ኢኹም።”—ኢሳ. 43:10።
የሆዋ ኸም ዚድግፈና ኣረጋጊጹልና እዩ። ንኣብነት፡ “ንስኻትኩም መሰኻኽረይ ኢኹም” ቅድሚ ምባሉ፡ “ብማያት ምስ እትሓልፍ፡ ምሳኻ ክኸውን እየ፣ ኣፍላግ ምስ እትሳገር፡ ኣይኬዕለቕልቐካን እዩ። ብሓዊ ምስ እትኸይድ፡ ኣይክትሓርርን ኢኻ፣ ሃልሃልታ እውን ኣይኪልብልበካን እዩ” ኢሉ ቓል ኣትዩ እዩ። (ኢሳ. 43:2) ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ከለና፡ ሓድሓደ ግዜ ኸም ፈለግ ዝኣመሰለ ዕንቅፋታትን ከም ሓዊ ዝኣመሰለ ፈተናታትን የጋጥመና እዩ። ኰይኑ ግና፡ ብሓገዝ የሆዋ ስብከትና ኣይነቋርጽን ኢና። (ኢሳ. 41:13) መብዛሕትኦም ሰባት ንመልእኽትና ኣይቅበልዎን እዮም። ንመልእኽትና ዘይምቕባሎም ግና ንሕና ኸም መሰኻኽር ኣምላኽ ዕዮና ኣይንዓይይን ኣለና ማለት ዘይምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ነቲ መልእኽቲ ብተኣማንነት ክንሰብኽ ከለና፡ የሆዋ በዚ ባህ ከም ዚብሎ ስለ እንፈልጥ፡ እዚ የጸናንዓናን የበርትዓናን እዩ። ሃዋርያ ጳውሎስ፡ “ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ጻዕሩ ዓስቡ ኪቕበል እዩ” ኢሉ ጽሒፉ እዩ።—1 ቈረ. 3:8፣ 4:1, 2። w22.11 4 ¶5-6
ሓሙስ 12 መስከረም
ኣብ መንጎ ኣህዛብ ኣካይዳኹም ኣጸብቑ።—1 ጴጥ. 2:12።
ሎሚ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ንርኢ ኣለና። “ካብ ኵሉ ቛንቋታት ኣህዛብ” ዝዀኑ ሰባት ነቲ ንሓቂ መጽሓፍ ቅዱስ ዜመልክት “ጽሩይ ቋንቋ” ምዝራብ ይምሃሩ ኣለዉ። (ዘካ. 8:23፣ ጸፎ. 3:9) ኣብ 240 ሃገራት ካብ 8,000,000 ኣዝዮም ዚበዝሑ ሰባት ምስ ውድብ የሆዋ ሓቢሮም ኣለዉ፣ ኣብ ዓዓመት ከኣ ዓሰርተታት ኣሽሓት ይጥመቑ ኣለዉ! ካብቲ ቝጽሪ ንላዕሊ ግና፡ እቲ እዞም ሓደስቲ ደቀ መዛሙርቲ ዜማዕብልዎ መንፈሳዊ ባህርያት፡ ወይ “ሓድሽ ስብእና” እዩ ዜገድስ። (ቈሎ. 3:8-10) ብዙሓት ሰባት ምንዝርናን ዓመጻን ጽልእን ሃገራውነትን ሓዲጎም እዮም። እቲ ኣብ ኢሳይያስ 2:4 ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢት ይፍጸም ኣሎ፣ ‘ደጊም ውግእ ኣይመሃሩን እዮም።’ ነዚ ሓድሽ ስብእና ንምልባስ ክንጽዕር ከለና፡ ንሰባት ናብ ውድብ ኣምላኽ ንስሕቦም ኢና፡ ነቲ ሓላዊና ዝዀነ ክርስቶስ የሱስ ንስዕብ ከም ዘለና እውን ነርኢ ኢና። (ዮሃ. 13:35) እዚ ዅሉ ብወዝቢ ኣይኰነን ዚኸውን ዘሎ። የሱስ ዜድልየና ሓገዝ ይህበና ኣሎ። w22.07 9 ¶7-8
ዓርቢ 13 መስከረም
ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም እተዳለወ ዕጣን ይኹን።—መዝ. 141:2።
ናብ የሆዋ ኽንጽሊ ኸለና፡ ከም ሓደ ተራ ሰብ ጌርና ኽንዛረቦ ኣይግባእን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ክንጽሊ ኸለና፡ ዓብዪ ኣኽብሮት ከነርእዮ ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ኢሳይያስን ህዝቅኤልን ዳንኤልን ዮሃንስን ዝረኣይዎ ዜደንቕ ራእያት እሞ ንሕሰብ። ኵሉ እቲ ራእያት ንየሆዋ፡ ግርማ ዝዓሰሎ ንጉስ ከም ዝዀነ ገይሩ እዩ ዚገልጾ። ንኣብነት፡ ኢሳይያስ፡ “የሆዋ ኣብ በሪኽን ልዕል ዝበለን ዝፋን ተቐሚጡ . . . ረኣኹ” ኢሉ ኣሎ። (ኢሳ. 6:1-3) ህዝቅኤል ድማ ንየሆዋ ኣብ ሰማያዊ ሰረገላ ተቐሚጡ ረኣዮ፡ ኣብ ዙርያኡ እውን ‘ከም ቀስተ ደበና ዝበለ ብርሃን’ ነበረ። (ህዝ. 1:26-28) ዳንኤል ከኣ ነቲ “ጥንታዊ ዝመዓልቱ” ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኑ ረኣዮ፡ ካብ ዝፋኑ እውን ሃልሃልታ ሓዊ ይወጽእ ነበረ። (ዳን. 7:9, 10) ዮሃንስ እውን ንየሆዋ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ረኣዮ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን እውን ስመራግዶስ ዚምስል ሓምላይ ቀስተ ደበና ነበረ። (ራእ. 4:2-4) ነቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ግርማ የሆዋ ኸነስተንትነሉ ኸለና፡ ብጸሎት ናብኡ ምቕራብ፡ ኣዝዩ ዓብዪ መሰል ምዃኑ፡ ነዚ ድማ ብኣኽብሮት ክንገብሮ ኸም ዚግባእ የዘኻኽረና እዩ። w22.07 20 ¶3
ቀዳም 14 መስከረም
[ንጥበራ] ሰብ [ተጠንቀቑሉ]።—ኤፌ. 4:14።
ኣቱም መንእሰያት፡ ሰይጣን ተወሳኺ መንፈሳዊ ዕቤት ከይትገብሩ ኺዓግተኩም ይጽዕር እዩ። ሓደ ኻብቲ ኸምኡ ዚገብረሉ መገዲ ኸኣ፡ ብዛዕባ ገሊኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርትታት ኣብ ኣእምሮኻ ጥርጣረታት ብምዝራእ እዩ። ንኣብነት፡ ውዒልካ ሓዲርካ ናብቲ ንኣምላኽ ዘየኽብር ክልሰ ሓሳብ ፍልቀት ከይተቓላዕካ ኣይትተርፍን ኢኻ። ኣቐዲምካ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ብዙሕ ኣይትሓስብን ኔርካ ትኸውን፣ ዕድመ ምስ ወሰኽካ ግና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምስቲ ጕዳይ ብቐጥታ ትፋጠጥ ትኸውን። እቲ መምህራንካ ንፍልቀት ደጊፎም ዚዛረብዎ ዘረባ ዚውሓጥን ዜእምንን ኪመስል ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ንሳቶም ነቲ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ዜርኢ መርትዖ ብርዝነት ሓሲቦምሉ ዘይፈልጡ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ስለዚ፡ ነቲ ኣብ ምሳሌ 18:17 ዚርከብ ከምዚ ዚብል ስርዓት ኣይትረስዓዮ፦ “እቲ ሓደ ወገን መጺኡ ኣጸቢቑ ኽሳዕ ዚምርምሮ፡ እቲ ቕድም ጕዳዩ ዜቕርብ ቅኑዕ ይመስል።” እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚቐርበልካ ሓሳባት ብዕሙትካ ኣብ ክንዲ እትቕበሎ፡ ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽን ኣብ ጽሑፋትናን ዚርከብ ሓቅታት ተጠንቂቕካ መርምሮ። w22.08 2 ¶2፣ 4 ¶8
ሰንበት 15 መስከረም
ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ [ሓልዎ]፡ . . . ሽዑ፡ መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።—እያ. 1:8።
ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እነንብቦ ኽንርድኦ ንደሊ ኢና። እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዙሕ ኣይንጥቀምን ኢና። ንኣብነት፡ የሱስ ምስ “ሓደ ፈላጥ ሕጊ” ዝገበሮ ዝርርብ እስከ ንርአ። (ሉቃ. 10:25-29) እቲ ሰብኣይ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምውራስ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ንየሱስ ምስ ሓተቶ፡ የሱስ፡ “ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፧ ከመይከ ተንብብ፧” ኢሉ ናብ ቃል ኣምላኽ ከም ዜተኵር ገበሮ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ንኣምላኽ ኬፍቅሮ፡ ንብጻዩ እውን ኬፍቅር ከም ዘለዎ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥቃስ ቅኑዕ መልሲ ሃበ። (ዘሌ. 19:18፣ ዘዳ. 6:5) ኣስዕብ ኣቢሉ ግና፡ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሕቶ ሓተተ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ዘንበቦ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ብሓቂ ኸም ዘይተረድኦ ገለጸ። ስለዚ ድማ፡ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እቲ ኣብ ህይወቱ ብልክዕ ብኸመይ ከም ዚትግብሮ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ንባብና ምእንቲ ኸነተኵር መንፈስ ቅዱሱ ኺህበና ኽንልምን ንኽእል ኢና። w23.02 9 ¶4-5
ሰኑይ 16 መስከረም
በታ ሓቂ [ተመላለሱ]።—3 ዮሃ. 4።
“ናብ ሓቂ ብኸመይ መጺእካ፧” ነዛ ሕቶ እዚኣ መሸም ብዙሕ ሳዕ መሊስካያ ኽትከውን ኣሎካ። ምስ ሓደ ክርስትያን ብጻይ ክትላለ ኸለኻ፡ ሓንቲ ኻብተን ቀዳሞት ዚቐርባልካ ሕቶታት እያ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዝፈለጥዎን ከም ዘፍቀርዎን ምስማዕ ንፈቱ ኢና። ሓቂ ንዓና እንታይ ማለት ምዃና ምንጋር እውን የሐጕሰና እዩ። (ሮሜ 1:11) ሳላ እዚ ዝርርባት እዚ ድማ ንሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ኸም እንርእያ ንዘኻኸር ኢና። ብተወሳኺ፡ ‘በታ ሓቂ ንምምልላስ፡’ ማለት በቲ በረኸትን ሞገስን የሆዋ ዜምጽኣልና መገዲ ንምምልላስ ዝያዳ ቘራጽነት ንገብር ኢና። ንሓቂ እንፈትወሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ልዕሊ ዅሉ፡ ነቲ ምንጪ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ነፍቅሮ ኢና። በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና፡ ኵሉ ዚኽእል ገባር ሰማይን ምድርን ከም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣጸቢቑ ዚሓልየልና ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዝዀነ እውን ፈሊጥና ኢና።—1 ጴጥ. 5:7። w22.08 14 ¶1, 3
ሰሉስ 17 መስከረም
ንድኻታት [ዘከርዎም]።—ገላ. 2:10።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ብ“ሰናይ ግብሪ” ኣቢሎም ፍቕሪ ኼርእዩ ኣተባቢዕዎም እዩ። (እብ. 10:24) ብዘረባኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሩ እውን ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ ጥሜት ምስ ኰነ፡ ረድኤት ኣብ ምዕዳል ሓጊዙ እዩ። (ግብ. 11:27-30) ጳውሎስ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ብስጋዊ መዳይ እተሸገሩ ንምሕጋዝ ግና ወትሩ መገድታት የናዲ ነይሩ እዩ። ከምዚ ብምግባሩ ኸኣ፡ ነቲ ክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ሓልዮት የሆዋ ዝነበሮም እምንቶ ይሃንጾ ነይሩ እዩ። ሎሚ ኣብ ዕዮ ረድኤት ንምሕጋዝ ግዜናን ጕልበትናን ክእለትናን ብፍቓድና እንተ ወፊና፡ እምነት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሃንጽ ኢና። ንዓለምለኻዊ ዕዮ ኣዘውቲርና ብምውፋይ እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። በዝን ብኻልእ መገድታትን ኣቢልና ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ንሳቶም እውን የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓድጎም እምንቶ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። w22.08 24 ¶14
ረቡዕ 18 መስከረም
ትንቢትሲ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።—2 ጴጥ. 1:21።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ እተፈጸመ ትንቢታት ሒዙ ኣሎ። ገሊኡ ትንቢታት ካብቲ እተመዝገበሉ ድሕሪ ኣማእታት ዓመታት እዩ ተፈጺሙ። እዚ ትንቢታት እዚ ኸም እተፈጸመ ኸኣ ታሪኽ የረጋግጽ እዩ። ደራሲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኣየገርመናን እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ውድቀት ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን እተነግረ ትንቢታት እሞ ንሕሰብ። ኣብ ሻምናይ ዘመን ድ.ክ.፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ እታ ሽዑ ሓያል ከተማ ዝነበረት ባቢሎን ከም እትተሓዝ ተነበየ። ስም እቲ ነታ ኸተማ ዚስዕራ ሰብ ቂሮስ ምዃኑ፡ እታ ኸተማ እውን ብኸመይ ከም እትተሓዝ ብልክዕ ተነበየ። (ኢሳ. 44:27–45:2) ብዘይካዚ እውን ባቢሎን ኣብ መወዳእታኡ ኸም እትጠፍእን ምሉእ ብምሉእ ከም እትባድምን ተነበየ። (ኢሳ. 13:19, 20) ብ539 ቅ.ክ.፡ ባቢሎን ብሜዶናውያንን ብፋርሳውያንን ተሳዕረት። ሕጂ፡ ኣብቲ እታ ዓባይ ከተማ ዝነበረትሉ ቦታ፡ ኵምራ ዑናታት ጥራይ እዩ ዚርከብ። w23.01 4 ¶10
ሓሙስ 19 መስከረም
ንሓድሕድኩም [ተተባብዑ]።—1 ተሰ. 5:11።
የሆዋ ኽፍሊ እቲ ብኣምለኽቱ ዝቘመ ዓለምለኻዊ ስድራ ቤት ክንከውን ሓርዩና ኣሎ። እዚ ኸመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ምዃኑን እንታይ ጥቕምታት ከም ዘለዎን እሞ ሕሰቦ! (ማር. 10:29, 30) ኣብ ብዘላ ዓለም፡ ከማና ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ከማና ብመለክዒታቱ ንምምልላስ ዚከኣሎም ዚገብሩን ኣሕዋትን ኣሓትን ኣለዉና። ቋንቋናን ባህልናን ኣከዳድናናን እተፈላለየ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግና፡ ዋላ እውን ንፈለማ ግዜ ምሳታቶም ክንራኸብ ከለና፡ ንቀራረብ ኢና። ምናዳ ኸኣ ምሳታቶም ሓቢርና ነቲ ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ምውዳስን ምምላኽን የሐጕሰና እዩ፣ ምሳታቶም እውን ሓድነት ኪህልወና ኣለዎ። (መዝ. 133:1) ሓድሓደ ግዜ፡ ንሳቶም ጾርና ኽንስከም ይሕግዙና እዮም። (ሮሜ 15:1፣ ገላ. 6:2) ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ንጡፋት ኴንና ኽንቅጽልን ብመንፈሳዊ መዳይ ብርቱዓት ኴንና ኽንመላለስን እውን የተባብዑና እዮም። (እብ. 10:23-25) ነቶም ናይ ሓባር ጸላእትና ዝዀኑ ሰይጣን ድያብሎስን እዛ እክይቲ ዓለሙን ክንቃወሞም ከለና፡ ካብ ጉባኤ ዕቝባ እንተ ዘይንረክብ ኔርና ኸመይ ኪስምዓና ይኽእል ከም ዝነበረ እሞ ሕሰቦ! w22.09 2-3 ¶3-4
ዓርቢ 20 መስከረም
ከናፍሩ ዚቈጻጸር ግና፡ ኣስተውዓሊ እዩ።—ምሳ. 10:19።
ማሕበራዊ መራኸቢ ኽንጥቀም ከለና፡ ርእሰ ግትኣትና ኺፍተን ይኽእል እዩ። እንተ ዘይተጠንቂቕና፡ ከይተፈለጠና ንብዙሓት ሰባት ምስጢራዊ ጕዳያት ክንቀልዕ ንኽእል ኢና። ሓንሳእ ነቲ ሓበሬታ እቲ ብኤለክትሮኒካዊ መገዲ ምስ ነዛሕናዮ ኸኣ፡ ካልኦት ብኸመይ ከም ዚጥቀሙሉ፡ ወይ እንታይ ጕድኣት ከም ዜብጽሕ ክንቈጻጸሮ ኣይንኽእልን ኢና። ተጻረርቲ፡ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ኣብ ሓደጋ ኼእቱ ዚኽእል ነገር ምእንቲ ኽንነግሮም ኬታልሉና ኺፍትኑ ኸለዉ፡ ርእሰ ግትኣት ስቕ ክንብል ይሕግዘና እዩ። ዕዮና ኣብ እተኣገደሉ ወይ እተቐየድሉ ዓድታት ብፖሊስ መርመራ ኺግበረልና ኸሎ፡ ከምዚ ዓይነት ፈተና ኼጋጥመና ይኽእል እዩ። ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ‘ኣፍና ብልጓም ክንሕሉ ኣሎና።’ (መዝ. 39:1) እምበኣር፡ ምስ ስድራ ቤትና፡ ምስ ፈተውትና፡ ምስ ኣሕዋትናን ኣሓትናን፡ ወይ ምስ ዝዀነ ይኹን ሰብ ኣብ ዘሎና ርክብ እሙናት ክንከውን ኣሎና። እሙናት ንምዃን ከኣ ርእሰ ግትኣት የድልየና እዩ። w22.09 13 ¶16
ቀዳም 21 መስከረም
ብሕጊ የሆዋ [ዚድሰት]፡ ነቲ ሕጉ እውን መዓልትን ለይትን ብትሕቲ መልሓሱ [ዜንብቦ ሰብ ሕጉስ እዩ]።—መዝ. 1:1, 2።
ናይ ሓቂ ሓጐስ ንምርካብ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ኽንምገብ ኣሎና። ብሓቂ እውን የድልየና እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ እዩ የሱስ፡ “ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ዝበለ። (ማቴ. 4:4) ስለዚ፡ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ እውን እንተ ዀነ፡ ካብቲ ኽቡር ቃል ኣምላኽ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ መንፈሳዊ ምግቢ ኸይተመገብና ኽትሓልፍ ኣይንፍቀድ። የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኹ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ህይወትና ናይ ሓቂ ሓጐስ ክንረኽበሉ እንኽእል ኣገዳሲ ሓበሬታ ሂቡና ኣሎ። ንህይወትና እንታይ ዕላማ ኸም ዘለዎ ኽንፈልጥ ንኽእል ኢና። ንዕኡ ብኸመይ ከም እንቐርቦን ሕድገት ሓጢኣት ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእልን ንምሃር ኢና። ብዛዕባ እቲ ንመጻኢ ዘተስፈወና ዜደንቕ ተስፋ እውን ንምሃር ኢና። (ኤር. 29:11) እዚ ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት፡ ንልብና ብሓጐስ ይመልኦ እዩ! ኣብ ህይወት ብዜጋጥመካ ጸገማት ተስፋ ኽትቈርጽ ከለኻ፡ ግዜ ወሲድካ ቓል የሆዋ ኣንብብ፡ ብዛዕባኡ እውን ኣስተንትን። w22.10 7 ¶4-6
ሰንበት 22 መስከረም
ብኣእምሮ ብሱላት ኩኑ።—1 ቈረ. 14:20።
መጽሓፍ ቅዱስ ዘይለበምና ዄንና ኸይንነብር ይነግረና እዩ። እምበኣር፡ ኣብ ህይወትና ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምትግባር፡ ቅኑዕ ዓይነት ልብምና ኸነጥሪ ንኽእል ኢና። በብቝሩብ ከኣ እዚ ስርዓታት እዚ ኻብ ጸገማት ከም ዚሰትረናን ጥበባዊ ውሳነታት ክንገብር ከም ዚሕግዘናን ብተመክሮ ንርእዮ ኢና። ኣብዚ መዳይ እዚ፡ ዕቤትና ኸመይ ምዃኑ ኽንግምግም ኣሎና። መጽሓፍ ቅዱስ ከነጽንዕን ኣብ ኣኼባታት ክንእከብን ካብ እንጅምር እተወሰነ ግዜ እንተ ሓሊፉ፡ ርእስና ንየሆዋ ኽንውፍን ክንጥመቕን ዜኽእለና ስጕምትታት ስለምንታይ ከም ዘይወሰድና ገዛእ ርእስና ኽንሓትት ኣሎና። ጥሙቓት እንተ ዄንና ኸኣ፡ ከም ሰበኽትን መምህራንን እቲ ብስራት ዕቤት ንገብርዶ ኣለና፧ ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንምራሕ ኣብ ውሳነታትና ይርአ ድዩ፧ ምስ ካልኦት ኣብ ዘሎና ርክብከ ክርስትያናዊ ባህርያት ነርኢ ዲና፧ ከነመሓይሾ ዘሎና መዳያት እንተ ርኢና፡ ነቲ የሆዋ ዚህበና መዘኻኸሪታት ነቕልበሉ፣ ስለምንታይሲ፡ እዚ “ንዘይለበመ የጥብቦ” እዩ።—መዝ. 19:7። w22.10 20 ¶8
ሰኑይ 23 መስከረም
ናብቲ እቲ መንፈስ ኪኸድዎ ዘበሎም፡ . . . ይኸዱ ነበሩ።—ህዝ. 1:20።
ህዝቅኤል መንፈስ ኣምላኽ ክሳዕ ክንደይ ሓያል ምዃኑ ርእዩ እዩ። መንፈስ ቅዱስ ኣብቶም ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራትን ኣብቲ ዓበይቲ መንኰራዅር እታ ሰማያዊት ሰረገላን ኪዓዪ ኸሎ ብራእይ ርእዩ እዩ። (ህዝ. 1:21) እሞ እዚ ደኣ እንታይ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ፧ ህዝቅኤል ነቲ ሽዑ ዝዀነ ነገር መዝጊብዎ ኣሎ። “ምስ ረኣኽዎ ኸኣ፡ ብገጸይ ወደቕኩ” ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። በቲ ዝረኣዮ እምብዛ ስለ እተደነቐ፡ ናብ ባይታ እዩ ወዲቑ። (ህዝ. 1:28) ጸኒሑ ብዛዕባ እቲ ዜደንቕ ራእይ ኬስተንትን ከሎ ብሓገዝ መንፈስ ኣምላኽ ኣገልግሎቱ ኺፍጽም ከም ዚኽእል እምነቱ ኣደልዲሉሉ ኪኸውን ኣለዎ። የሆዋ ንህዝቅኤል፡ “ኣታ ወዲ ሰብ፡ ክዛረበካስ ብኣእጋርካ ደው በል” ኢሉ ኣዘዞ። እቲ ትእዛዝ እትን መንፈስ ኣምላኽን ንህዝቅኤል፡ ካብ ባይታ ኺትንስእ ብርታዐ ሃቦ። (ህዝ. 2:1, 2) ድሕርዚ እውን ህዝቅኤል ኣብ ምሉእ ኣገልግሎቱ ብ“ኢድ” ኣምላኽ፡ ማለት ብናይ ኣምላኽ መንፈስ ቅዱስ ይምራሕ ነይሩ እዩ።—ህዝ. 3:22፣ 8:1፣ 33:22፣ 37:1፣ 40:1። w22.11 4 ¶7-8
ሰሉስ 24 መስከረም
ኣእዛንካ ብድሕሬኻ፡ . . . ቃል ኪሰምዓ እየን።—ኢሳ. 30:21።
ነብዪ ኢሳይያስ ኣብዚ ንየሆዋ ኸምቲ ደድሕሪ ተምሃሮኡ እናኸደ መገዲ እናኣመልከተ መምርሒ ዚህቦም መምህር ገይሩ እዩ ገሊጽዎ ዘሎ። ሎሚ ድምጺ ኣምላኽ ብድሕሬና ንሰምዖ ኢና። ብኸመይ፧ ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት ነዊሕ ይገብር እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ከነንብቦ ኸለና፡ ድምጺ ኣምላኽ ካብ ድሕሬና ኸም ዚመጽእ ጌርካ ኺሰኣል ይከኣል እዩ። (ኢሳ. 51:4) ነቲ የሆዋ ንዓና ንምምራሕ ዝገበሮ መሰናድዎ ኸመይ ጌርና ኢና ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀመሉ እንኽእል፧ ኢሳይያስ ክልተ ነገር ከም እተዛረበ ነስተብህል። ቀዳማይ፡ “እታ መገዲ እዚኣ እያ” ኢሉ። ካልኣይ ከኣ፡ “ብእኣ ተመላለሱ” ኢሉ። ነታ “መገዲ” ምፍላጥ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ብእኣ ‘ኽንመላለስ’ እውን ኣሎና። ብቓል የሆዋን በቲ ውድቡ ብዛዕባ እቲ ቓል እትህቦ መግለጽን ኣቢልና፡ የሆዋ ኻባና እንታይ ከም ዚጽበ ንምሃር ኢና። ነቲ እተምሃርናዮ ብኸመይ ከም እንትግብሮ እውን ንምሃር ኢና። ብሓጐስ እናተጻወርና ንየሆዋ ምእንቲ ኸነገልግሎ፡ ነዚ ኽልቲኡ ኽንትግብሮ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና በረኸት የሆዋ ኽንረክብ እንኽእል። w22.11 11 ¶10-11
ረቡዕ 25 መስከረም
ኣነ ምስ ኣልገስኩ፡ ሕሱማት ተዃሉ [ኺኣትዉኹም እዮም]።—ግብ. 20:29።
መብዛሕትኦም ሃዋርያት የሱስ ድሕሪ ሙማቶም ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ናይ ሓሶት ክርስትያናት ናብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ሰሊኾም ኣተዉ። (ማቴ. 13:24-27, 37-39) ንሳቶም ከኣ፡ “ንደቀ መዛሙርቲ ደድሕሪኦም ምእንቲ ኺስሕቡ፡ ቄናን ነገር” ተዛረቡ። (ግብ. 20:30) ሓደ ኻብቲ ዝመሃርዎ “ቔናን ነገር” ድማ፡ ምስቲ የሱስ “ሓጢኣት ብዙሓት ምእንቲ ኺጸውር፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ ተሰዊኡ” ዚብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ትምህርቲ ዚጻረር እዩ። (እብ. 9:27, 28) ሎሚ ብዙሓት ገርህታት ሰባት ነዚ ናይ ሓሶት ትምህርቲ ይኣምንዎ እዮም። ኣብቲ “ሱታፌ” ወይ “ቍርባን” ተባሂሉ ዚፍለጥ ስርዓት ንምስታፍ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ብስሩዕ ይእከቡ፡ ሓድሓደ ግዜ እውን መዓልቲ መዓልቲ ይእከቡ እዮም። ገሊአን ሃይማኖታት ከኣ፡ ንሞት የሱስ ክሳዕ ክንድቲ ብተደጋጋሚ እኳ እንተ ዘየብዓላኦ፡ መብዛሕትኦም ምእመናነን ግና ብዛዕባ እቲ መስዋእቲ የሱስ ዚዓምሞ ነገራት ንጹር ግንዛበ የብሎምን። w23.01 21 ¶5
ሓሙስ 26 መስከረም
ሰናይ ናይ ምግባርን ዘሎኩም ምምቓልን ኣይትረስዑ።—እብ. 13:16።
ኣብቲ ናይ ሽሕ ዓመት ግዝኣት የሱስ፡ ምዉታት ኪትንስኡ፡ እዙዛት ደቂ ሰብ ድማ ናብ ፍጽምና ኺበጽሑ እዮም። እቶም ብየሆዋ ጻድቃን ተባሂሎም ዚፍረዱ ሰባት፡ “ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።” (መዝ. 37:10, 11, 29) እቲ ዜሕጕስ ድማ፡ ‘እቲ ናይ መወዳእታ ጸላኢ፡ ሞት፡ ኪስዓር እዩ።’ (1 ቈረ. 15:26) ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኣብ ቃል ኣምላኽ ድልዱል መሰረት ኣለዎ። እዚ ተስፋ እዚ ኣብዘን ጽንኩራት ዳሕሮት መዓልትታት እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ይሕግዘና እዩ። ንየሆዋ ባህ ምእንቲ ኸነብሎ ግና ብህይወት ንምንባር ብዘሎና ድሌት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ካብዚ ዚበልጽ ውሽጣዊ ድራኸ የድልየና እዩ። ንየሆዋን ንየሱስን እሙናት ኴንና እንመላለሰሉ ቐንዲ ምኽንያት፡ ንዓታቶም ዘሎና ዓሚቝ ፍቕሪ እዩ። (2 ቈረ. 5:14, 15) እዚ ድማ ንዓታቶም ክንመስሎም፡ ብዛዕባ እቲ ዘሎና ተስፋ እውን ንሰባት ክንነግር የለዓዕለና እዩ። (ሮሜ 10:13-15) ገበርቲ ሰናይን ለጋሳትን እንተ ዄንና፡ የሆዋ ንዘለኣለም ኣዕሩኹ ኪዀኑ ዚደልዮም ዓይነት ሰባት ኢና እንኸውን። w22.12 6-7 ¶15-16
ዓርቢ 27 መስከረም
ኵሎም እቶም ምስ ክርስቶስ የሱስ ብእተተሓሓዘ ንኣምላኽ ብዘለዎም ተወፋይነት ኪነብሩ ዚደልዩ እውን፡ ኪስጐጉ እዮም።—2 ጢሞ. 3:12።
መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ሰላም ከም ዚስምዓና ዚገብር ብዙሕ ነገራት ክንስእን ንኽእል ኢና። ጽባሕ እንታይ ከም ዚኸውን ስለ እንፈርህ ንጭነቕ ንኸውን። እዚ ስምዒት እዚ ንቡር እዩ። ይኹን እምበር፡ ክንጥንቀቕ ኣሎና። የሱስ ንሰዓብቱ፡ ብመስጐጕቲ ኺዕንቀፉ ኸም ዚኽእሉ ሓቢርዎም ነይሩ እዩ። (ዮሃ. 16:1, 2) የሱስ ንመስጐጕቲ ኽንጽበዮ ኸም ዘሎና ኺነግረና ኸሎ፡ እሙናት ኴንና ኽንመላለስ ከም እንኽእል እውን ኣረጋጊጹልና ኣሎ። (ዮሃ. 15:20፣ 16:33) ዕዮና ኺእገድ ወይ ብርቱዕ ቀይዲ ኺግበረሉ ኸሎ፡ ካብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርን ካብ ሽማግለታትን መምርሒታት ይውሃበና ይኸውን። እዚ መምርሒታት እዚ ንዓና ንምዕቋብ፡ መንፈሳዊ ምግቢ ብቐጻሊ ኸም እንረክብ ንምርግጋጽ፡ ብእተኻእለ መጠን እውን ስብከትና ኽንቅጽል ንምሕጋዝ ተባሂሉ እዩ ዚውሃብ። ስለዚ፡ ዚውሃበካ መምርሒ ንምሕላዉ ዚከኣለካ ግበር። (ያእ. 3:17) ብተወሳኺ እውን፡ ብዛዕባ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ወይ ብዛዕባ ንጥፈታት ጉባኤ ዚምልከት ሓበሬታ ንዘይምልከቶም ሰባት ፈጺምካ ኣይትቕላዕ።—መክ. 3:7። w22.12 20-21 ¶14-16
ቀዳም 28 መስከረም
እዚ ትግሃት እዚ [ኣርእዩ]።—እብ. 6:11።
ሎሚ፡ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ኣብቲ ኣብ ብዘላ ምድሪ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ዚገብርዎ ዕዮ ስብከት ይመርሖም ኣሎ። ንሱ እጃሙ ይገብር ኣሎ። ብውድብ የሆዋ ኣቢሉ ኸኣ፡ ብኸመይ ከም እንሰብኽ የሰልጥነና ኣሎ፣ ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ ዜድሊ ናውቲ እውን ይህበና ኣሎ። (ማቴ. 28:18-20) ንሕና ድማ ኣብ ዕዮ ስብከትን ዕዮ ትምህርትን ተጊህና ብምዕያይ፡ ከምኡ እውን የሆዋ ንመወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኼምጽኦ እናተጸበና ብንቕሓት ብምክትታል እጃምና ኽንገብር ንኽእል ኢና። ነቲ ኣብ እብራውያን 6:11, 12 ዘሎ ምኽሪ ብምትግባር፡ ተስፋና “ኽሳዕ መወዳእታ” ኣጽኒዕና ኽንሕዝ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንስርዓት ሰይጣን ዜጥፍኣሉ መዓልትን ሰዓትን ወሲኑ ኣሎ። እታ መዓልቲ እቲኣ ምስ መጸት፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ቃሉ ዝመዝገቦ ትንቢታት ብርግጽ ኪፍጽሞ እዩ። ክሳዕ ሽዑ፡ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ዝደንጐየ ይመስለና ይኸውን። ይኹን እምበር፡ መዓልቲ የሆዋ ‘ኣይክትድንጕን እያ!’ (ኣን. 2:3) እምበኣር፡ ‘ናብ የሆዋ ንምጥማት፡ ንኣምላኽ ድሕነትና ኸኣ ንምጽባይ’ ቈራጽነት ንግበር።—ሚክ. 7:7። w23.02 19 ¶15-16
ሰንበት 29 መስከረም
ምሳኻ ኺወዳደር ዚኽእል የልቦን።—መዝ. 40:5።
ሓደ ናብ ከረን ዚድይብ ሰብ፡ ሸቶኡ ኣብ ጫፍ እቲ ኸረን ምብጻሕ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ መንጎ ደው እናበለ በቲ ጽቡቕ ትርኢት ኪሕጐስ ይኽእል እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ፈተና እናተጻወርካ እኳ፡ የሆዋ ብኸመይ የቕንዓልካ ኸም ዘሎ በብእዋኑ ደው እናበልካ ሕሰብ። ምሸት ምሸት፡ ‘ሎሚ የሆዋ ብኸመይ ባሪኹኒ፧ ዋላ እኳ ነዚ ፈተናይ እንተ ዘየወገደለይ፡ ምእንቲ ኽጻወሮ ብኸመይ ሓጊዙኒ፧’ ኢልካ ገዛእ ርእስኻ ሕተት። የሆዋ የቕንዓልካ ኸም ዘሎ ዚሕብር እንተ ወሓደ ሓደ በረኸት ከተለሊ ፈትን። ልክዕ እዩ፡ ፈተናኻ ኼብቅዕ ትጽሊ ትህሉ ትኸውን። (ፊል. 4:6) ኰይኑ ግና፡ ነቲ ሕጂ ዘሎና በረኸት እውን ክንርስዖ የብልናን። ከመይሲ፡ የሆዋ ኸም ዜበርትዓናን ክንጻወር ከም ዚሕግዘናን ቃል ኣትዩልና እዩ። ስለዚ፡ ንደገፍ የሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኣይተጥፍእ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ የሆዋ ዋላ እውን ኣብ እዋን ፈተና፡ የቕንዓልካ ኸም ዘሎ ኽትርኢ ኢኻ።—ዘፍ. 41:51, 52። w23.01 19 ¶17-18
ሰኑይ 30 መስከረም
ነቲ መዓልቲ የሆዋ ኣብዚ እትህልወሉ እዋን . . . ኣቐልጥፍዎ።—2 ጴጥ. 3:12።
ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ኣነባብራይ ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ ኽሳዕ ክንደይ ከም ዝቐረብና የርኢ ድዩ፧ ብዛዕባ ትምህርትን ስራሕን ዝገብሮ ውሳነታት፡ ንየሆዋ ምግልጋል ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ የርኢ ድዩ፧ የሆዋ ንዓይን ንስድራ ቤተይን ዜድልየኒ ኸም ዜማልኣለይ እምነት ኣሎኒ ድዩ፧’ ህይወትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ብዚሰማማዕ መገዲ ኽንመርሕ ከለና፡ የሆዋ ኣዝዩ እዩ ባህ ዚብሎ። (ማቴ. 6:25-27, 33፣ ፊል. 4:12, 13) ንኣተሓሳስባና ብስሩዕ ክንምርምሮ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ዜድሊ ምትዕርራያት ክንገብር ኣሎና። ጳውሎስ ንሰብ ቈረንቶስ፡ “ብእምነት እንተ ኣሊኹም፡ ብቐጻሊ ርእስኹም ፈትኑ፡ ብቐጻሊ ርእስኹም መርምሩ” ኢልዎም እዩ። (2 ቈረ. 13:5) ስለዚ፡ ቃል ኣምላኽ ብምንባብ፡ ብቐጻሊ ንኣእምሮና ኽንሕድሶ ኣሎና፣ ከም ናይ ኣምላኽ ዓይነት ኣተሓሳስባ ኽንሕዝ፡ ንተግባርና ምስ ፍቓዱ ንምስምማዕ ከኣ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና።—1 ቈረ. 2:14-16። w23.01 9 ¶5-6