ዓንቀጽ መጽናዕቲ 34
‘በታ ሓቂ ተመላለሱ’
“ደቀይ በታ ሓቂ ይመላለሱ ኸም ዘለዉ ኻብ ምስማዕ ዚዓቢ ሓጐስ የብለይን።”—3 ዮሃ. 4።
መዝሙር 111 መሐጐሲና
መላለዪa
1. ናብ ሓቂ ብኸመይ ከም ዝመጻእና ብምዝራብ፡ ብኸመይ ኢና እንጥቀም፧
“ናብ ሓቂ ብኸመይ መጺእካ፧” ነዛ ሕቶ እዚኣ መሸም ብዙሕ ሳዕ መሊስካያ ኽትከውን ኣሎካ። ምስ ሓደ ክርስትያን ብጻይ ክትላለ ኸለኻ፡ ሓንቲ ኻብተን ቀዳሞት ዚቐርባልካ ሕቶታት እያ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዝፈለጥዎን ከም ዘፍቀርዎን ምስማዕ ንፈቱ ኢና። ሓቂ ንዓና እንታይ ማለት ምዃና ምንጋር እውን የሐጕሰና እዩ። (ሮሜ 1:11) ሳላ እዚ ዝርርባት እዚ ድማ ንሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ኸም እንርእያ ንዘኻኸር ኢና። ብተወሳኺ፡ ‘በታ ሓቂ ንምምልላስ፡’ ማለት በቲ በረኸትን ሞገስን የሆዋ ዜምጽኣልና መገዲ ንምምልላስ ዝያዳ ቘራጽነት ንገብር ኢና።—3 ዮሃ. 4።
2. ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንመያየጥ፧
2 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ንሓቂ እንፈትወሉ ምኽንያታት ክንምርምር ኢና። ድሕሪኡ፡ ነታ ኽብርቲ ውህበት ዘላትና ፍቕሪ ኸመይ ጌርና ብቐጻሊ ኸም እነርኢ ኽንምርምር ኢና። እዚ ድማ ነቲ የሆዋ ናብ ሓቂ ብምስሓብ ዝገበረልና ነገር ዘሎና ሞሳ ብርግጽ ኬዕምቖ እዩ። (ዮሃ. 6:44) ብዛዕባ ሓቂ ንኻልኦት ንምንጋር ዘሎና ድሌት እውን ኬሐይለልና እዩ፧
ን“ሓቂ” እንፈትዋ ስለምንታይ ኢና፧
3. ንሓቂ እንፈትወሉ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ምኽንያት እንታይ እዩ፧
3 ንሓቂ እንፈትወሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ልዕሊ ዅሉ፡ ነቲ ምንጪ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ነፍቅሮ ኢና። በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና፡ ኵሉ ዚኽእል ገባር ሰማይን ምድርን ከም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣጸቢቑ ዚሓልየልና ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዝዀነ እውን ፈሊጥና ኢና። (1 ጴጥ. 5:7) ኣምላኽና፡ “መሓርን ርሕሩሕን ኣምላኽ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ፡ ብዓል ብዙሕ ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ሓቅን” ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። (ዘጸ. 34:6) የሆዋ ፍትሒ ይፈቱ እዩ። (ኢሳ. 61:8) መከራ ኼጓንፈና ኺርኢ ኸሎ፡ ይጕሂ እዩ፣ ኣብቲ ዝመደቦ ግዜ፡ ኵሉ መከራ ኸም ዜብቅዕ ንምግባር ድሉው ጥራይ ዘይኰነስ፡ ህንጡይ እውን እዩ። (ኤር. 29:11) እቲ ግዜ እቲ፡ ብሓቂ ዜደንቕ እዋን እዩ ኪኸውን! ስለዚ ድማ ኢና ንየሆዋ ኣዚና እነፍቅሮ!
4-5. ሃዋርያ ጳውሎስ ንተስፋ ምስ መልህቕ ዘመሳሰላ ስለምንታይ እዩ፧
4 ንሓቂ እንፈትወሉ እንታይ ካልእ ምኽንያታት ኣሎና፧ ሓቂ ብዙሕ ጥቕምታት ተምጽኣልና እያ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓቂ ነቲ ብዛዕባ መጻኢ ዘሎና ተስፋ እውን ተጠቓልል እያ። ሃዋርያ ጳውሎስ ዋጋ እታ ተስፋ ንምንጻር ከምዚ ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ፦ “እዛ ዘላትና ተስፋ እዚኣ ኸም መልህቕ ነፍሲ፡ ርግጽን ጽንዕትን እያ።” (እብ. 6:19) ከምቲ መልህቕ ንመርከብ ዜጽንዓ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተት ተስፋና ድማ ኣብ ህይወት ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ ተጽንዓና እያ።
5 ጳውሎስ ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ንቕቡኣት ክርስትያናት ዘለዎም ተስፋ እዩ ዚዛረብ ነይሩ። ኰይኑ ግና፡ እዚ ቓላቱ እዚ ኣብቶም ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ተስፋ ዘለዎም ክርስትያናት እውን ኪውዕል ይኽእል እዩ። (ዮሃ. 3:16) ብዛዕባ ተስፋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምፍላጥና፡ ንህይወትና ትርጉም ሂብዋ ኣሎ።
6-7. ኢቮን ብዛዕባ መጻኢ ሓቂ ብምፍላጣ ብኸመይ ተጠቒማ፧
6 ተመክሮ ሓንቲ ኢቮን ዝስማ ሓብቲ እስከ ንርአ። ንሳ ኣብ ሓቂ ኣይዓበየትን። ብቝልዕነታ ድማ ሞት ትፈርህ ነበረት። ሓንቲ ዘንበበታ ሓረግ ኣብ ኣእምሮኣ ተቐሪጻ ተረፈት። እታ ሓረግ፡ “ሓንቲ መዓልቲ፡ ጽባሕ ኣይክትህሉን እያ” እትብል እያ ነይራ። ኢቮን ከምዚ ትብል፦ “ብዛዕባ መጻኢ ኽሓስብ እሓድር ስለ ዝነበርኩ፡ እተን ቃላት እቲአን ድቃስ ይኸልኣኒ ነይረን። ‘መሸም ህይወት ዝያዳ ትርጉም ኪህልዋ ኣለዎ’ ኢለ እሓስብ ነይረ። ‘ስለምንታይ እየ ተፈጢረ፧’ ኢለ እውን እሓስብ ነይረ። ክመውት ኣይደለኹን።”
7 ድሕርዚ፡ ኢቮን ጐርዞ ምስ ኰነት ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተራኸበት። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ናይ ምንባር ተስፋ ኺህልወኒ ኸም ዚኽእል ክኣምን ጀሚረ።” እሞ ደኣ ሓቂ ምፍላጣ ነዛ ሓብቲ እዚኣ ብኸመይ ጠቒምዋ፧ ኣስዕብ ኣቢላ ኸምዚ ትብል፦ “ድሕሪ ደጊም ለይቲ ብዛዕባ መጻኢ ወይ ብዛዕባ ሞት እናተጨነቕኩ ድቃስ ስኢነ ኣይሓድርን እየ።” ኢቮን ንሓቂ ኣዝያ ኣኽቢራ እያ እትርእያ፣ ብዛዕባ መጻኢ ዘለዋ ተስፋ ንኻልኦት ምንጋር ድማ ዓብዪ ዕግበት እዩ ዜምጽኣላ።—1 ጢሞ. 4:16።
8-9. (ሀ) ኣብ ሓደ ኻብቲ የሱስ ዝመሰሎ ምሳሌታት፡ ሓደ ሰብኣይ ነቲ ዝረኸቦ መዝገብ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣኽቢሩ ርእይዎ፧ (ለ) ንሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ኢኻ ኣኽቢርካ እትርእያ፧
8 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ሓቂ፡ ንብስራት መንግስቲ ኣምላኽ እውን ተጠቓልል እያ። የሱስ ነቲ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ እተገልጸ ሓቂ ምስ ሕቡእ መዝገብ ኣመሳሲልዎ ኣሎ። ኣብ ማቴዎስ 13:44 ተመዝጊቡ ኸም ዘሎ፡ የሱስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ኸምዚ እዩ ኢሉ፦ “መንግስተ ሰማያት፡ ኣብ ሓንቲ ግራት ተሓቢኡ ዝነበረ እሞ፡ ሰብ ረኺቡ ዝሓብኦ መዝገብ ትመስል። ስለ እተሓጐሰ ድማ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ፡ ነታ ግራት እቲኣ ዓደጋ።” ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ እቲ ሰብኣይ መዝገብ ኪረክብ የናዲ ኸም ዘይነበረ ኣስተብህል። ምስ ረኸቦ ግና፡ ምእንቲ ኼጥርዮ ኢሉ ዓብዪ መስዋእቲ እዩ ኸፊሉ። ዘለዎ ዅሉ እዩ ሸይጡ። ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ፡ እቲ መዝገብ እቲ ኽሳዕ ክንደይ ክቡር ምዃኑ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ካብ ኵሉ እቲ ኪኸፍሎ ዚኽእል ዝነበረ ጥሪት ኣመና ኸም ዚኸብር ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
9 ብዛዕባ ሓቂ ኸምኡ ድዩ ዚስምዓካ፧ ከምኡ ኸም ዚስምዓካ መሸም ኣየጠራጥርን እዩ! እዛ ዓለም እተቕርቦ ዝዀነ ይኹን ነገር፡ ምስቲ ሕጂ ንየሆዋ ብምግልጋል ዚርከብ ሓጐስ፡ ከምኡ እውን ምስቲ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ዘሎና ተስፋ ኣይወዳደርን እዩ። ምስ የሆዋ ዘሎና ናይ ቀረባ ብሕታዊ ርክብ፡ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ እንተ ተኸፍለሉ እኳ ይግብኦ እዩ። ንዓና ልዕሊ ዅሉ ዜሐጕሰና ነገር፡ ‘ብዅሉ ንዕኡ ምሕጓስ’ እዩ።—ቈሎ. 1:10።
10-11. ንማይክል ህይወቱ ኪቕይር ዝደረኾ እንታይ እዩ፧
10 መብዛሕትና ሞገስ የሆዋ ንምርካብ፡ ብዙሕ መስዋእቲ ኸፊልና ኢና። ገሊኦም ኣብ ዓለም ኣኽቢርካ ዚርአ ስራሕ ሓዲጎም እዮም። ገሊኦም ድማ ደድሕሪ ሃብቲ ምኻድ ሓዲጎም እዮም። ገሊኦም ከኣ ብዛዕባ የሆዋ ምስ ተማህሩ፡ ህይወቶም ምሉእ ብምሉእ ቀዪሮም እዮም። ማይክል ከምኡ እዩ ገይሩ። እዚ ሰብ እዚ ኣብ ሓቂ ኣይዓበየን። መንእሰይ ከሎ ድማ፡ ናይ ማርሻል ኣርት ስልጠና ወሰደ። ከምዚ እውን ይብል፦ “ኣካላዊ ብቕዓተይ ስለ ዝሓሎኹ፡ እሕበን ነይረ እየ። ሓድሓደ ግዜ እውን ዘይሰዓር እዩ ዚመስለኒ ነይሩ።” መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዕ ምስ ጀመረ ግና፡ የሆዋ ብዛዕባ ዓመጻ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ተማህረ። (መዝ. 11:5) ማይክል ብዛዕባ እቶም ምስኡ ዘጽንዑ ሰብ ሓዳር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከምዚ ይብል፦ “‘ንማርሻል ኣርት ክትሓድጎ ኣሎካ’ ኢሎም ፈጺሞም ኣይተዛረቡንን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ጥራይ እዮም ምሂሮምኒ።”
11 ማይክል ብዛዕባ የሆዋ ብዝያዳ እናፈለጠ ብዝኸደ መጠን፡ ንዕኡ ዘላቶ ፍቕሪ እናዓበየት ከደት። ምናዳ እቲ የሆዋ ንኣምለኽቱ ዘለዎ ርሕራሐ ልቡ ተንከዮ። ድሕርዚ፡ ንህይወቱ ዚቕይር ውሳነ ኺገብር ከም ዘለዎ ኣስተውዓለ። ከምዚ ድማ ይብል፦ “ካራተ ምሕዳግ፡ ቅድሚኡ ኻብ ዝገበርክዎ ውሳነታት ዝኸበደ ምንባሩ እፈልጥ ነይረ እየ። እንተዀነ ግና፡ ንየሆዋ ባህ ከም ዜብሎ እውን እፈልጥ ነይረ እየ። ንዕኡ ምግልጋል ድማ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ዚግብኦ ምዃኑ እኣምን ነይረ እየ።” ማይክል ነታ ዝረኸባ ሓቂ ዕዙዝ ሞሳ እዩ ኣሕዲሩ። እቲ ሞሳ እቲ ድማ፡ ኣብ ህይወቱ ዓብዪ ለውጥታት ኪገብር ደሪኽዎ እዩ።—ያእ. 1:25።
12-13. ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ንማይሊ ብርሃን ዜብርሃላ ብኸመይ እዩ፧
12 መጽሓፍ ቅዱስ ነቲ ሓቂ ዘለዋ ዋጋ ንምጕላሕ፡ ንሓቂ ኣብ ጸልማት ምስ እተብርህ መብራህቲ የመሳስላ እዩ። (መዝ. 119:105፣ ኤፌ. 5:8) ኣብ ኣዘርባጃን እትነብር ማይሊ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸበቶ ብርሃን ኣጸቢቓ ተማስወሉ እያ። ንሳ ብሃይማኖት ኣብ እተኸፋፈለት ቤት እያ ዓብያ። ኣቦኣ ኣስላማይ እዩ ነይሩ፣ ኣዲኣ ድማ ኣይሁዳዊት እያ ነይራ። ከምዚ ድማ ትብል፦ “ንህልውና ኣምላኽ ኣብ ሕቶ ኣእትየዮ ዘይፈልጥ እኳ እንተ ዀንኩ፡ መልሲ ዝሰኣንኩሉ ሕቶታት ግና ነይሩኒ። ‘ኣምላኽ ንሰባት ስለምንታይ እዩ ፈጢርዎም፧ ሓደ ሰብ ምሉእ ህይወቱ መከራ ድሕሪ ምጽጋብ ንዘለኣለም ኣብ ገሃነም እሳት ዚሳቐ እንተ ዀይኑ፡ እዚ እንታይ ይዓብስ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ። ሰባት፡ ‘ኵሉ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ’ ስለ ዚብሉ፡ ‘ኣምላኽ ህይወት ሰባት ብምቍጽጻርን መከራ ኺረኽቡ ብምርኣይን ይሕጐስ እዩ ማለት ድዩ፧’ ኢለ እሓስብ ነይረ።”
13 ማይሊ ንሕቶታታ መልሲ ኻብ ምንዳይ ዓዲ ኣይወዓለትን። ድሕሪ ግዜ፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትገብር ፍቓደኛ ዀነት፣ ናብ ሓቂ እውን መጸት። ከምዚ ድማ ትብል፦ “እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ዜእምን ሓሳባት ንብምሉኡ እቲ ብዛዕባ ህይወት ዝነበረኒ ኣመለኻኽታ ኣመሓይሽዎ። እቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ ዝረኸብክዎ እሙን መግለጺታት፡ ውሽጣዊ ሰላም ኣምጺኡለይ።” እወ፡ ኵላትና ኸም ማይሊ፡ ነቲ “ኻብ ጸልማት ናብ ዜገርም ብርሃኑ [ዝጸውዓና]” የሆዋ ንውድሶ ኢና።—1 ጴጥ. 2:9።
14. ነታ ንሓቂ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነዕምቛ ንኽእል፧ (“ተወሳኺ ተምሳል” ዘርእስታ ሳጹን እውን ርአ።)
14 ክሳዕ ሕጂ፡ ሓቂ ዘለዋ ዋጋ ዜነጽር ሒደት ኣብነታት ጥራይ ኢና ርኢና። ብዙሕ ካልእ ነጥብታት ክትሓስብ ከም እትኽእል መሸም ኣየጠራጥርን እዩ። እሞ ደኣ ንምንታይ ኣብ ናይ ብሕታዊ መጽናዕትኻ ንሓቂ ኽትፈትወሉ እትኽእል ተወሳኺ ነጥብታት ክትረክብ ዘይትጽዕር። ንሓቂ ብዝያዳ ብዝፈቶናያ መጠን፡ ነዚ ብብዙሕ መገድታት ነርእዮ ኢና።
ንሓቂ ኸም እንፈትዋ ብኸመይ ነርኢ፧
15. ንሓቂ ኸም እንፈትዋ እነርእየሉ ሓደ መገዲ እንታይ እዩ፧
15 መጽሓፍ ቅዱስን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ጽሑፋትን ኣዘውቲርና ብምጽናዕ፡ ንሓቂ ኸም እንፈትዋ ኸነርኢ ንኽእል ኢና። ስለምንታይሲ፡ ኣብ ሓቂ ዝጸናሕናሉ ንውሓት ዓመታት ብዘየገድስ፡ ወትሩ ገና ብዙሕ እንምሃሮ ነገራት ኣሎና። ምስዚ ብዚተሓሓዝ፡ እታ ቐዳመይቲ ሕታም እዛ መጽሔት ከምዚ ትብል፦ “ሓቂ ኸምቲ ኣብ ናይ ህይወት በረኻ ዘላ ንእሽቶ ዕምባባ፡ በቲ ጥዒምዎ ጐላዕላዕ ዝበለ ናይ ስሕተት ጻህያይ ተኸቢባን ዳርጋ ተዋሒጣን እያ። እንተ ረኺብካያ፡ ወትሩ እትደልያ ዝነበርካ ኽትከውን ኣሎካ። . . . ከተጥርያ እንተ ደሊኻ፡ ክትረኽባ ለጠቕ ክትብል ኬድልየካ እዩ። ሓንቲ ዕምባባ ሓቂ ምስ ረኸብካ ኣይትዕገብ። . . . ኵሉ ግዜ ኣክብ፡ ካልእ ክትረክብ ድለ።” መጽናዕቲ ኸቢድ ዕዮ እዩ፣ ፍሪኡ ግና ይኽሕሰና እዩ።
16. ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸብካዮ ሜላ መጽናዕቲ እንታይ እዩ፧ (ምሳሌ 2:4-6)
16 ንባብ ወይ መጽናዕቲ እንፈቱ ዅላትና ኣይኰነናን። የሆዋ ግና ብዛዕባ ሓቂ ዝዓመቘ ርድኢት ንምርካብ፡ ‘ክንደልን ሃለው ክንብልን’ ጻውዒት ኣቕሪቡልና ኣሎ። (ምሳሌ 2:4-6 ኣንብብ።) ከምዚ ዝበለ ጻዕሪ እንተ ጌርና፡ ወትሩ ንጥቀም ኢና። ኮሪ ኣብ ብሕታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ሓንቲ ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ከም ዜተኵር ኪገልጽ ከሎ ኸምዚ ይብል፦ “ንዅሉ እቲ እግረ ጽሑፍ አንብቦ፣ ንዅሉ እቲ መወከሲታት እውከሶ፣ ብዘይካዚ፡ ተወሳኺ ምርምር እውን እገብር እየ። . . . በዚ ሜላ እዚ ኻብ ንባበይ ብዙሕ እጥቀም እየ።” ንሕና እውን እንጥቀመሉ ሜላ እዚ ይኹን እቲ፡ ንሓቂ ንምጽናዕ ግዜን ጻዕርን እንተ ወፊና፡ ሞሳና ነርኢ ኢና።—መዝ. 1:1-3።
17. በታ ሓቂ ምምልላስ ኪብሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ያእቆብ 1:25)
17 ልክዕ እዩ፡ ብዛዕባ ሓቂ ምጽናዕ ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ምሉእ ብምሉእ ክንጥቀም እንተ ዄንና በታ ሓቂ ኽንመላለስ፡ ማለት ነቲ እተምሃርናዮ ኣብ ህይወትና ኽንትግብሮ ኣሎና። ከምኡ እንተ ጌርና ጥራይ ኢና ኻብ ሓቂ ሓጐስ ክንረክብ እንኽእል። (ያእቆብ 1:25 ኣንብብ።) እሞ ደኣ በታ ሓቂ ንመላለስ ከም ዘለና ኸመይ ጌርና ኸነረጋግጽ ንኽእል፧ ሓደ ሓው፡ ጽቡቕ ጐድንናን ምምሕያሽ ዜድልዮ ጐድንናን ንምፍላጥ ገዛእ ርእስና ኽንምርምር ከም ዘሎና ሓሳብ ሂቡ ኣሎ። ሃዋርያ ጳውሎስ ድማ ነዚ ሓሳብ እዚ ኸምዚ ዚስዕብ ኢሉ ገሊጽዎ ኣሎ፦ “በቲ በጺሕናዮ ዘለና መጠን፡ ብሓደ መገዲ ብስርዓት ንመላለስ።”—ፊል. 3:16።
18. ‘በታ ሓቂ ንምምልላስ’ ዚከኣለና እንገብር ስለምንታይ ኢና፧
18 ብዛዕባ እቲ ‘በታ ሓቂ ንምምልላስ’ ዚከኣለና ብምግባር እንረኽቦ ጥቕምታት እሞ ንሕሰብ! ህይወትና ኣብ ርእሲ ምምሕያሹ፡ ንየሆዋን ንክርስትያናት ብጾትናን ነሐጕሶም ኢና። (ምሳ. 27:11፣ 3 ዮሃ. 4) እሞ ደኣ ንሓቂ ንምፍታውን በታ ሓቂ ንምምልላስን ካብዚ ዚዓቢ እንታይ ምኽንያት ኣሎ፧
መዝሙር 144 ወትሩ ጠምት ናብቲ ዓስቢ!
a ብዙሕ ግዜ ንእምነትናን ንመገዲ ህይወትናን፡ “ሓቂ” ኢልና ንገልጾ ኢና። ኣብ ሓቂ ሓደስቲ ንኹን ወይ ምሉእ ህይወትና ኣብኡ ዝጸናሕና፡ ንሓቂ እንፈትወሉ ምኽንያት ብምምርማር ብዙሕ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ከምኡ ምስ እንገብር፡ ሞገስ ኣምላኽ ንምርካብ ዘሎና ቘራጽነት ከነደልድል ኢና።