ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
ውጻእ
እቶ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
መርሓባ!
እዚ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ንእተዳለወ ሕታማት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድላይ ዚሕግዝ ንዋት እዩ።
ሕታማት ንምርጋፍ፡ ኣብ jw.org ርአ።
ምልክታ
እተወሰኸ ሓድሽ ቋንቋ፦ Burkina Faso Sign Language
  • ሎሚ

ሰኑይ 15 ሰነ

ኣምላኽሲ . . . ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።—ዮሃ. 3:16።

ኣብ እስራኤል፡ መዓልቲ ዕርቂ ኣብ ዓመት ሓንሳእ ትውዕል ነበረት። በታ መዓልቲ እቲኣ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ምእንቲ ህዝቢ ኢሉ እንስሳታት ይስውእ ነበረ። እንስሳታት ካብ ሰባት ዝተሓቱ ስለ ዝዀኑ ግና፡ መስዋእቲ እንስሳታት ንሓጢኣት ምሉእ ብምሉእ ኣየተዓርቕን እዩ ነይሩ። እንተዀነ ግና፡ እቶም እተነስሑ እስራኤላውያን ነቲ የሆዋ ዝሓተቶም መስዋእቲ ምስ ዜቕርቡ፡ ንሱ እውን ሓጢኣቶም ይቕረ ይብለሎም ነበረ። (እብ. 10:1-4) እቲ መሰናድዎ ሓጥኣን ምዃኖም እውን የዘኻኽሮም ነበረ። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንሕድገት ሓጢኣት ዚኸውን ነባሪ ፍታሕ ሓሲቡ ነይሩ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ እቲ ፍቑር ወዱ “ሓጢኣት ብዙሓት ምእንቲ ኺጸውር፡ ሓንሳእ ንሓዋሩ” ኺስዋእ መሰናድዎ ገበረ። (እብ. 9:28) ስለዚ የሱስ፡ “ህይወቱ ምእንቲ ብዙሓት በጃ” ኣሕለፈ።—ማቴ. 20:28። w25.02 4 ¶9-10

ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2026

ሰሉስ 16 ሰነ

ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ንቕሑን ብቐጻሊ ጸልዩን።—ማቴ. 26:41።

“መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ።” (ማቴ. 26:41ለ) የሱስ በዚ ቓላት እዚ ኣቢሉ፡ ንዘይፍጽምናና ኸም ዚርድኦ ገሊጹ እዩ። እዚ ቓላቱ ግና መጠንቀቕታ እውን ዝሓዘለ እዩ፦ እወ፡ ብርእስና እምብዛ ኽንተኣማመን የብልናን። በታ ምሸት እቲኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ኻብ ጐድኑ ፈልከት ከም ዘይብሉ ብምትእምማን ገሊጾም ነይሮም እዮም። (ማቴ. 26:35) ውሽጣዊ ድራኸኦም ጽቡቕ እዩ ነይሩ። ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ኽሳዕ ክንደይ ቀልጢፎም ኪዳኸሙ ኸም ዚኽእሉ ግና ኣይተረድኦምን ነይሩ። ስለዚ የሱስ፡ ከምተን ኣብ ናይ ሎሚ ጥቕሲ ዕለት ዘለዋ ቓላት ብምባል ኣጠንቀቖም። እቲ ዜሕዝን ግና፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኣይነቕሑን። እሞ ደኣ የሱስ ምስ ተታሕዘ፡ ኣብ ጐድኑ ድዮም ቈይሞም፡ ወይስ ብፈተና ስለ እተሰነፉ ሃዲሞም፧ በቲ እተፈጥረ ዅነታት ስለ እተዳህለሉ፡ ከምቲ ኸቶ ኸም ዘይገብርዎ እተዛረቡሉ ነገር እዮም ገይሮም፣ እወ፡ ንየሱስ ሓዲጎምዎ እዮም ሃዲሞም።—ማቴ. 26:56። w24.07 14 ¶1-2

ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2026

ረቡዕ 17 ሰነ

ኣምላኽ ብሞት ወዱ [ተዓሪቑና]።—ሮሜ 5:10።

ኣዳምን ሄዋንን ምስ ኣቦኦም የሆዋ ዝነበሮም ክቡር ርክብ ኣጥፊኦም እዮም። ኣብ መጀመርታ፡ ኣዳምን ሄዋንን ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ እዮም ነይሮም። (ሉቃ. 3:38) ትእዛዝ የሆዋ ምስ ጠሓሱ ግና፡ ገና ውሉድ ከይወለዱ ኸለዉ፡ ካብ ስድራ ቤቱ ተሰጕጉ። (ዘፍ. 3:23, 24፣ 4:1) ስለዚ፡ ንሕና ዘርኦም ብምዃንና፡ ምስ የሆዋ ኽንዕረቕ ኣሎና። (ሮሜ 5:10, 11) ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ምስኡ ጽቡቕ ርክብ ከነማዕብል ኣሎና። ብመሰረት ሓደ መወከሲ ጽሑፍ፡ እታ ኣብዚ “ዕርቂ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ “ምስ ጸላኢ ምትዕርራኽ” ዚብል ትርጉም ኪህልዋ ይኽእል እዩ። እቲ ዜገርም ከኣ፡ ነዚ ዕርቂ እዚ ንምምጻእ፡ የሆዋ እዩ ተበግሶ ወሲዱ። ብኸመይ፧ በቲ የሆዋ ኣብ መንጎኡን ኣብ መንጎ ሓጥኣን ደቂ ሰብን ጽቡቕ ርክብ ምእንቲ ኺህሉ፡ ዘዳለዎ መተዓረቒ ኣቢሉ እዩ። ዕርቂ ምእንቲ ኺግበር፡ ማዕረ ዋጋ ዘለዎ ነገር ኪኽፈል ኣለዎ። በዚ ኸምዚ፡ ጠፊኡ ዝነበረ ነገር ኪምለስ ወይ ኪትካእ ይከኣል። w25.02 3-4 ¶7-8

ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2026
መርሓባ!
እዚ ብእተፈላለየ ቛንቋታት ንእተዳለወ ሕታማት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምድላይ ዚሕግዝ ንዋት እዩ።
ሕታማት ንምርጋፍ፡ ኣብ jw.org ርአ።
  • ትግርኛ
  • ስደድ
  • ኣማራጺታት
  • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
  • ውዕል ኣጠቓቕማ
  • ፖሊሲ ምስጢራውነት
  • ግላዊ መሳርዕ
  • JW.ORG
  • እቶ
ስደድ