ሰኑይ 16 መስከረም
በታ ሓቂ [ተመላለሱ]።—3 ዮሃ. 4።
“ናብ ሓቂ ብኸመይ መጺእካ፧” ነዛ ሕቶ እዚኣ መሸም ብዙሕ ሳዕ መሊስካያ ኽትከውን ኣሎካ። ምስ ሓደ ክርስትያን ብጻይ ክትላለ ኸለኻ፡ ሓንቲ ኻብተን ቀዳሞት ዚቐርባልካ ሕቶታት እያ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዝፈለጥዎን ከም ዘፍቀርዎን ምስማዕ ንፈቱ ኢና። ሓቂ ንዓና እንታይ ማለት ምዃና ምንጋር እውን የሐጕሰና እዩ። (ሮሜ 1:11) ሳላ እዚ ዝርርባት እዚ ድማ ንሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ኸም እንርእያ ንዘኻኸር ኢና። ብተወሳኺ፡ ‘በታ ሓቂ ንምምልላስ፡’ ማለት በቲ በረኸትን ሞገስን የሆዋ ዜምጽኣልና መገዲ ንምምልላስ ዝያዳ ቘራጽነት ንገብር ኢና። ንሓቂ እንፈትወሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ልዕሊ ዅሉ፡ ነቲ ምንጪ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ነፍቅሮ ኢና። በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና፡ ኵሉ ዚኽእል ገባር ሰማይን ምድርን ከም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣጸቢቑ ዚሓልየልና ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዝዀነ እውን ፈሊጥና ኢና።—1 ጴጥ. 5:7። w22.08 14 ¶1, 3
ሰሉስ 17 መስከረም
ንድኻታት [ዘከርዎም]።—ገላ. 2:10።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ብ“ሰናይ ግብሪ” ኣቢሎም ፍቕሪ ኼርእዩ ኣተባቢዕዎም እዩ። (እብ. 10:24) ብዘረባኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሩ እውን ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ ጥሜት ምስ ኰነ፡ ረድኤት ኣብ ምዕዳል ሓጊዙ እዩ። (ግብ. 11:27-30) ጳውሎስ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ብስጋዊ መዳይ እተሸገሩ ንምሕጋዝ ግና ወትሩ መገድታት የናዲ ነይሩ እዩ። ከምዚ ብምግባሩ ኸኣ፡ ነቲ ክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ሓልዮት የሆዋ ዝነበሮም እምንቶ ይሃንጾ ነይሩ እዩ። ሎሚ ኣብ ዕዮ ረድኤት ንምሕጋዝ ግዜናን ጕልበትናን ክእለትናን ብፍቓድና እንተ ወፊና፡ እምነት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሃንጽ ኢና። ንዓለምለኻዊ ዕዮ ኣዘውቲርና ብምውፋይ እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። በዝን ብኻልእ መገድታትን ኣቢልና ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ንሳቶም እውን የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓድጎም እምንቶ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። w22.08 24 ¶14
ረቡዕ 18 መስከረም
ትንቢትሲ ሰባት ብመንፈስ ቅዱስ ተደሪኾም ካብ ኣምላኽ እተዛረብዎ እዩ እምበር፡ ከቶ ብፍቓድ ሰብ ኣይመጸን።—2 ጴጥ. 1:21።
መጽሓፍ ቅዱስ ብዙሕ እተፈጸመ ትንቢታት ሒዙ ኣሎ። ገሊኡ ትንቢታት ካብቲ እተመዝገበሉ ድሕሪ ኣማእታት ዓመታት እዩ ተፈጺሙ። እዚ ትንቢታት እዚ ኸም እተፈጸመ ኸኣ ታሪኽ የረጋግጽ እዩ። ደራሲ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋ ስለ ዝዀነ፡ እዚ ኣየገርመናን እዩ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ ውድቀት ጥንታዊት ከተማ ባቢሎን እተነግረ ትንቢታት እሞ ንሕሰብ። ኣብ ሻምናይ ዘመን ድ.ክ.፡ ነብዪ ኢሳይያስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ፡ እታ ሽዑ ሓያል ከተማ ዝነበረት ባቢሎን ከም እትተሓዝ ተነበየ። ስም እቲ ነታ ኸተማ ዚስዕራ ሰብ ቂሮስ ምዃኑ፡ እታ ኸተማ እውን ብኸመይ ከም እትተሓዝ ብልክዕ ተነበየ። (ኢሳ. 44:27–45:2) ብዘይካዚ እውን ባቢሎን ኣብ መወዳእታኡ ኸም እትጠፍእን ምሉእ ብምሉእ ከም እትባድምን ተነበየ። (ኢሳ. 13:19, 20) ብ539 ቅ.ክ.፡ ባቢሎን ብሜዶናውያንን ብፋርሳውያንን ተሳዕረት። ሕጂ፡ ኣብቲ እታ ዓባይ ከተማ ዝነበረትሉ ቦታ፡ ኵምራ ዑናታት ጥራይ እዩ ዚርከብ። w23.01 4 ¶10