ሰንበት 15 መስከረም
ነቲ ኣብኡ ተጻሒፉ ዘሎ ዅሉ ተጠንቂቕካ [ሓልዎ]፡ . . . ሽዑ፡ መገድኻ ኪቐንዓካ እዩ፣ ሽዑ ድማ፡ ብጥበብ ክትመላለስ ኢኻ።—እያ. 1:8።
ነቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ እነንብቦ ኽንርድኦ ንደሊ ኢና። እንተ ዘይኰይኑ፡ ብዙሕ ኣይንጥቀምን ኢና። ንኣብነት፡ የሱስ ምስ “ሓደ ፈላጥ ሕጊ” ዝገበሮ ዝርርብ እስከ ንርአ። (ሉቃ. 10:25-29) እቲ ሰብኣይ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምውራስ እንታይ ኪገብር ከም ዘለዎ ንየሱስ ምስ ሓተቶ፡ የሱስ፡ “ኣብ ሕጊ እንታይ ጽሑፍ ኣሎ፧ ከመይከ ተንብብ፧” ኢሉ ናብ ቃል ኣምላኽ ከም ዜተኵር ገበሮ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፡ ንኣምላኽ ኬፍቅሮ፡ ንብጻዩ እውን ኬፍቅር ከም ዘለዎ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብምጥቃስ ቅኑዕ መልሲ ሃበ። (ዘሌ. 19:18፣ ዘዳ. 6:5) ኣስዕብ ኣቢሉ ግና፡ “ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧” ኢሉ ሕቶ ሓተተ። በዚ ኸምዚ ኸኣ፡ እቲ ዘንበቦ ሒዝዎ ዘሎ ትርጉም ብሓቂ ኸም ዘይተረድኦ ገለጸ። ስለዚ ድማ፡ ነቲ ቕዱሳት ጽሑፋት እቲ ኣብ ህይወቱ ብልክዕ ብኸመይ ከም ዚትግብሮ ኣይፈልጥን እዩ ነይሩ። ሓገዝ የሆዋ የድልየና እዩ። ስለዚ፡ ኣብ ንባብና ምእንቲ ኸነተኵር መንፈስ ቅዱሱ ኺህበና ኽንልምን ንኽእል ኢና። w23.02 9 ¶4-5
ሰኑይ 16 መስከረም
በታ ሓቂ [ተመላለሱ]።—3 ዮሃ. 4።
“ናብ ሓቂ ብኸመይ መጺእካ፧” ነዛ ሕቶ እዚኣ መሸም ብዙሕ ሳዕ መሊስካያ ኽትከውን ኣሎካ። ምስ ሓደ ክርስትያን ብጻይ ክትላለ ኸለኻ፡ ሓንቲ ኻብተን ቀዳሞት ዚቐርባልካ ሕቶታት እያ። ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንየሆዋ ብኸመይ ከም ዝፈለጥዎን ከም ዘፍቀርዎን ምስማዕ ንፈቱ ኢና። ሓቂ ንዓና እንታይ ማለት ምዃና ምንጋር እውን የሐጕሰና እዩ። (ሮሜ 1:11) ሳላ እዚ ዝርርባት እዚ ድማ ንሓቂ ኽሳዕ ክንደይ ኣኽቢርና ኸም እንርእያ ንዘኻኸር ኢና። ብተወሳኺ፡ ‘በታ ሓቂ ንምምልላስ፡’ ማለት በቲ በረኸትን ሞገስን የሆዋ ዜምጽኣልና መገዲ ንምምልላስ ዝያዳ ቘራጽነት ንገብር ኢና። ንሓቂ እንፈትወሉ ብዙሕ ምኽንያታት ኣሎና። ልዕሊ ዅሉ፡ ነቲ ምንጪ ሓቂ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ነፍቅሮ ኢና። በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢልና፡ ኵሉ ዚኽእል ገባር ሰማይን ምድርን ከም ዝዀነ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣጸቢቑ ዚሓልየልና ፈቃር ሰማያዊ ኣቦና ኸም ዝዀነ እውን ፈሊጥና ኢና።—1 ጴጥ. 5:7። w22.08 14 ¶1, 3
ሰሉስ 17 መስከረም
ንድኻታት [ዘከርዎም]።—ገላ. 2:10።
ሃዋርያ ጳውሎስ ንኣሕዋቱን ንኣሓቱን ብ“ሰናይ ግብሪ” ኣቢሎም ፍቕሪ ኼርእዩ ኣተባቢዕዎም እዩ። (እብ. 10:24) ብዘረባኡ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብግብሩ እውን ሓጊዝዎም እዩ። ንኣብነት፡ ኣብቶም ኣብ ይሁዳ ዝነበሩ ክርስትያናት ብጾቱ ጥሜት ምስ ኰነ፡ ረድኤት ኣብ ምዕዳል ሓጊዙ እዩ። (ግብ. 11:27-30) ጳውሎስ ኣብ ምስባኽን ኣብ ምምሃርን ትሑዝ እኳ እንተ ነበረ፡ ነቶም ብስጋዊ መዳይ እተሸገሩ ንምሕጋዝ ግና ወትሩ መገድታት የናዲ ነይሩ እዩ። ከምዚ ብምግባሩ ኸኣ፡ ነቲ ክርስትያናት ብጾቱ ኣብ ሓልዮት የሆዋ ዝነበሮም እምንቶ ይሃንጾ ነይሩ እዩ። ሎሚ ኣብ ዕዮ ረድኤት ንምሕጋዝ ግዜናን ጕልበትናን ክእለትናን ብፍቓድና እንተ ወፊና፡ እምነት ኣሕዋትናን ኣሓትናን ንሃንጽ ኢና። ንዓለምለኻዊ ዕዮ ኣዘውቲርና ብምውፋይ እውን ከምኡ ኽንገብር ንኽእል ኢና። በዝን ብኻልእ መገድታትን ኣቢልና ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ንሳቶም እውን የሆዋ ኸቶ ኸም ዘይሓድጎም እምንቶ ኼሕድሩ ይኽእሉ እዮም። w22.08 24 ¶14