ሰሉስ 20 ጥቅምቲ
እተን ድሉዋት ዝነበራ [ደናግል] ከኣ ምስኡ ናብቲ መርዓ ኣተዋ።—ማቴ. 25:10።
የሱስ ኣብ ምሳሌ እተን ደናግል፡ መርዓዊ ኪቕበላ ብዛዕባ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ተዛሪቡ ኣሎ። (ማቴ. 25:1-4) ኵላተን እተን ደናግል ነቲ መርዓዊ ናብቲ መርዓ ኼሰንያኦ እየን መጺአን። የሱስ ካባታተን እተን ሓሙሽተ “ለባማት፡” እተን ሓሙሽተ ኸኣ “ዓያሹ” ኢሉ ገሊጽወን ኣሎ። እተን ለባማት ደናግል፡ እቲ መርዓዊ ኽሳዕ ለይቲ እንተ ደንጐየ እኳ፡ ኪጽበያኦ ድሉዋት እየን ነይረን። ስለዚ ኸኣ ኣብቲ ጸልማት ኬብርሃሉ ቐንዴል ተማልኣ። እቲ መርዓዊ ምናልባት እንተ ደንጐየ ዝዀነን ተወሳኺ ዘይቲ እውን ተማልኣ። ቀንዴለን ብቐጻሊ ንምብራህ ድሉዋት እየን ነይረን። (ማቴ. 25:6-10) እቲ መርዓዊ ምስ መጸ ኸኣ፡ ምስኡ ናብቲ መርዓ ኣተዋ። ብተመሳሳሊ፡ እቶም ክሳዕ ምጽኣት ክርስቶስ ንቑሓትን እሙናትን ዝዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት፡ ምስቲ መርዓዊ፡ ማለት ምስ የሱስ ናብ ሰማያዊ መንግስቱ ኺኣትዉ ኺፍቀደሎም እዩ።—ራእ. 7:1-3። w24.09 21 ¶6
ረቡዕ 21 ጥቅምቲ
ካብ ኵሎም . . . ህዝብታት . . . ብዙሓት ህዝቢ . . . ረኣኹ።—ራእ. 7:9።
ሎሚ ኣብ ብዘላ ዓለም እንታይ ይዕመም ከም ዘሎ ኣብ ግምት እንተ ኣእቲና፡ ብቕንኣት ንምስባኽ ንለዓዓል ኢና። ኣብ ዓዓመት ሚልዮናት ግዱሳት ሰባት ኣብ በዓል ዝኽሪ ይእከቡ ኣለዉ፣ ምሳና እውን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይገብሩ ኣለዉ። ብኣማእታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ሰባት እውን ተጠሚቖም ኣብ ዕዮ ስብከት ይሓብሩና ኣለዉ። ብሕጂ ኽንደይ ተወሰኽቲ ሰባት ንዕዮ ስብከትና ኸም ዚቕበልዎ ኣይንፈልጥን ኢና። ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዚድሕኑ ብዙሓት ህዝቢ ብየሆዋ ይእከቡ ኸም ዘለዉ ግና ንፈልጥ ኢና። (ራእ. 7:9, 14) እቲ ጐይታ እኽሊ፡ ግራውቲ ንዓጺድ ጻዕድዩ ኸም ዘሎ ይርኢ ኣሎ። ስለዚ፡ ንሕና ብቐጻሊ ንምስባኽ ዜኽእለና ጽቡቕ ምኽንያት ኣሎና። (ሉቃ. 10:2) ደቀ መዛሙርቲ የሱስ ካብ ጥንቲ ኣትሒዞም በቲ ብቕንኣት ዚገብርዎ ስብከት እዮም ዚልለዩ። ኣብ ሓደ እዋን፡ ሰባት ትብዓት እቶም ሃዋርያት ምስ ረኣዩ፡ “ምስ የሱስ ከም ዝነበሩ . . . ኣለለይዎም።” (ግብ. 4:13) ንዓና እውን ኣብ ኣገልግሎት ኪዕዘቡና ኸለዉ፡ በቲ የሱስ ኣብ ኣገልግሎት ዝነበሮ ቕንኣት ከም እተጸሎና ኺርእዩ ኢና እንደሊ። w25.03 18 ¶15፣ 19 ¶17-18
ሓሙስ 22 ጥቅምቲ
ኦ የሆዋ፡ ንስኻ እተስተብህለሉስ ሰብ እንታይ እዩ፧—መዝ. 144:3።
የሆዋ ነቶም ብዓይኒ ኻልኦት ዘይረብሑ ዚመስሉ ኸም ዜስተብህለሎም መጽሓፍ ቅዱስ ይምህረና እዩ። ንኣብነት፡ የሆዋ ንነብዪ ሳሙኤል፡ ነቲ ኣብ መጻኢ ንጉስ እስራኤል ዚኸውን ምእንቲ ኪቐብኦ ናብ ቤት እሴይ ለኣኾ። እሴይ ከኣ ንሸውዓተ ኻብቶም ሸሞንተ ደቁ ናብ ሳሙኤል ኣምጽኦም፣ ነቲ ኻብ ኵሎም ዝነኣሰ ዳዊት ግና ኣየምጽኦን። ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንዳዊት እዩ ሓርይዎ ነይሩ። (1 ሳሙ. 16:6, 7, 10-12) ስለምንታይሲ፡ የሆዋ ንውሽጣዊ እንታይነት ዳዊት፡ ማለት ንመንፈሳዊ ነገራት ኣኽቢሩ ዚርኢ ምዃኑ ስለ ዝፈለጠ እዩ። የሆዋ ኸም ዜስተብህለልካ ዘርኣየሉ መገድታት እስከ ሕሰብ። ንዓኻ ዚኸውን ምኽሪ ኣዳልዩልካ ኣሎ። (መዝ. 32:8) ኣጸቢቑ እንተ ዘይፈልጠካ ነይሩ፡ ከምኡ ኣይምገበረን ነይሩ። (መዝ. 139:1) ምኽሪ የሆዋ ኣብ ተግባር ምስ ኣውዓልካ፡ ክሳዕ ክንደይ ከም እተጠቐምካ ኸኣ ምስ ረኣኻ፡ የሆዋ ኸም ዚግደሰልካ ኽትተኣማመን ኢኻ። (1 ዜና 28:9፣ ግብ. 17:26, 27) የሆዋ ንጻዕርታትካ እውን የስተብህለሉ እዩ። ንውሽጣዊ ባህርያትካ ይርእዮን ኪቐርበካ ይደልን እዩ።—ኤር. 17:10። w24.10 25-26 ¶7-9