መዝሙር 89:48 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 48 ሞት ከይረኣየ ብህይወት ኪነብር ዚኽእል ሰብ መን ኣሎ፧+ ካብ ሓይሊ መቓብርከ* ንርእሱ* ኼድሕን ይኽእልዶ፧ (ሴላ) መክብብ 9:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ኣብቲ እትኸዶ መቓብርሲ* ዕዮ ዀነ፡ ውጥን ኰነ፡ ፍልጠት ኰነ፡ ወይ ጥበብ የልቦን እሞ፡ ኢድካ ኽትገብሮ እትረኽቦ ዘበለ፡ ብዅሉ ሓይልኻ ግበሮ።+ ሆሴእ 13:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ካብ ሓይሊ መቓብር* ክብጀዎም እየ፣ካብ ሞት ክመልሶም እየ።+ ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧+ ኣታ መቓብር፡ መጥፍኢ ምዃንካ ኣበይ ኣሎ፧+ ርሕራሐ ኻብ ኣዒንተይ ክትሕባእ እያ። ግብሪ ሃዋርያት 2:27 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 27 ምኽንያቱ፡ ንዓይ* ኣብ መቓብር* ኣይትሓድገንን ኢኻ፣ እሙንካ ጥፍኣት ኪርኢ እውን ኣይትፈቅድን ኢኻ።+ ራእይ 20:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ባሕሪ ኸኣ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ሃበት፣ ሞትን መቓብርን* እውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ሃቡ፣ ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ።+
14 ካብ ሓይሊ መቓብር* ክብጀዎም እየ፣ካብ ሞት ክመልሶም እየ።+ ኣታ ሞት፡ መንደፍካ ኣበይ ኣሎ፧+ ኣታ መቓብር፡ መጥፍኢ ምዃንካ ኣበይ ኣሎ፧+ ርሕራሐ ኻብ ኣዒንተይ ክትሕባእ እያ።