-
ዘፍጥረት 37:31-34መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
31 ንሳቶም ከኣ ነቲ ወለል ዚብል ክዳን ዮሴፍ ወሲዶም፡ ወጠጦ ሓሪዶም ነቲ ኽዳን ኣብቲ ደም ኣጥለቕዎ። 32 ድሕሪኡ፡ ነቲ ወለል ዚብል ብሉጽ ክዳን ናብ ኣቦኦም ሰዲዶም፡ “እዚ ረኺብና። ክዳን ወድኻ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ፡ እስከ መርምር” በልዎ።+ 33 ንሱ ምስ መርመሮ ኸኣ፡ “እዚ ኽዳን ወደይ እዩ! ሕሱም ኣራዊት በሊዕዎ ኪኸውን ኣለዎ! ዮሴፍ ብርግጽ ተበሊዑ!” በለ። 34 ሽዑ፡ ያእቆብ ክዳኑ ቐዲዱ፡ ኣብ ሕቘኡ ማቕ ተዓጢቑ፡ ብዛዕባ ወዱ ብዙሕ መዓልትታት ሓዘነ።
-