ዘፍጥረት 16:1, 2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ፡ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት፣+ ኣጋር ዝስማ ግብጻዊት ገረድ ድማ ነበረታ።+ 2 ስለዚ፡ ሳራይ ንኣብራም፡ “በጃኻ ስምዓኒ! ከይወልድ የሆዋ ኸልኪሉኒ እዩ። በጃኻ ናብ ገረደይ እቶ። ምናልባት ብእኣ ውሉዳት እረክብ እኸውን” በለቶ።+ ኣብራም ድማ፡ ቃል ሳራይ ሰምዐ። ሮሜ 4:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ብእምነት እኳ እንተ ዘይደኸመ፡ (ኣስታት ወዲ 100 ዓመት ስለ ዝነበረ፡)+ ብዛዕባ እቲ ኸም ምዉት ዝነበረ ሰብነቱን ብዛዕባ ምዉት* ማሕጸን ሳራን ኣስተብሂሉ።+ እብራውያን 11:11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ሳራ እውን ዕድሚኣ እኳ ምስ ሓለፈ፡+ ነቲ ተስፋ ዝሃባ እሙን ገይራ ስለ ዝረኣየቶ፡ ዘርኢ ንምጥናስ ብእምነት ሓይሊ ረኺባ እያ።
16 ሳራይ ሰበይቲ ኣብራም ከኣ፡ ውሉድ ኣይወለደትሉን ነበረት፣+ ኣጋር ዝስማ ግብጻዊት ገረድ ድማ ነበረታ።+ 2 ስለዚ፡ ሳራይ ንኣብራም፡ “በጃኻ ስምዓኒ! ከይወልድ የሆዋ ኸልኪሉኒ እዩ። በጃኻ ናብ ገረደይ እቶ። ምናልባት ብእኣ ውሉዳት እረክብ እኸውን” በለቶ።+ ኣብራም ድማ፡ ቃል ሳራይ ሰምዐ።
19 ብእምነት እኳ እንተ ዘይደኸመ፡ (ኣስታት ወዲ 100 ዓመት ስለ ዝነበረ፡)+ ብዛዕባ እቲ ኸም ምዉት ዝነበረ ሰብነቱን ብዛዕባ ምዉት* ማሕጸን ሳራን ኣስተብሂሉ።+