ዘፍጥረት 3:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ካብኣ ኢኻ ተፈጢርካ እሞ፡+ ናብ ምድሪ ኽሳዕ እትምለስ፡ እንጌራ ብረሃጽ ገጽካ ኽትበልዕ ኢኻ። ሓመድ ኢኻ እሞ፡ ናብ ሓመድ ድማ ክትምለስ ኢኻ”+ በሎ። መዝሙር 103:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ከመይ ከም እተገበርናስ ኣጸቢቑ ይፈልጥ፡+ሓመድ ምዃንና ኸኣ ይዝክር እዩ።+ መክብብ 3:20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 ኵላቶም ናብ ሕደ ቦታ ይኸዱ።+ ኵላቶም ካብ ሓመድ ይመጹ፡+ ኵላቶም ድማ ናብ ሓመድ ይምለሱ።+