-
ዘጸኣት 26:1-6መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
26 “ተፋሒሱ ኻብ እተገብረ ቕጭን በፍታን ካብ ሰማያዊ ፈትልን ጁዅ ካብ ዝሕብሩ ጸምርን ካብ ውጹእ ቀይሕ ፈትልን ብእተገብረ ዓሰርተ ዓለባ ድንኳን፡ ማሕደር+ ግበር። ኣብኡ ድማ ኪሩቤል+ ጥለፈሉ።+ 2 ሓደ ዓለባ ድንኳን 28 እመት* ዝንውሓቱ፡ 4 እመት ዝግፍሑ ይኹን። ኵሉ እቲ ዓለባታት ድንኳን መጠኑ ማዕረ ይኹን።+ 3 እቲ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ንሓድሕዱ ይላገብ፣ እቲ ዝተረፈ ሓሙሽተ ዓለባ ድንኳን ከኣ ብሓደ ይላገብ። 4 ኣብ ጥርዚ እቲ ብሓደ እተላገበ ወሰናይ ዓለባ ድንኳን ብሰማያዊ ፈትሊ መኸንትቦታት* ግበር፣ ኣብ ጥርዚ እቲ መላግብቱ ዝዀነ ወሰናይ እውን ከምኡ ግበር። 5 ኣብቲ ሓደ ዓለባ ድንኳን 50 መኸንትቦ ግበር፡ ኣብ ጥርዚ እቲ ኻልኣይ ዓለባ ድንኳን እውን 50 መኸንትቦ ግበር፣ በዚ ኸምዚ ኣብ መላግቦታቱ ኣብ መንጽር ሓድሕዱ ይኸውን። 6 50 መቘለፊ* ወርቂ ግበር እሞ፡ ነቲ ዓለባታት ድንኳን በቲ መቘለፊታት ብሓደ ኣላግቦ፣ እቲ ማሕደር ከኣ ሓደ ኪኸውን እዩ።+
-