-
ዘጸኣት 25:17-20መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
17 “ካብ ጽሩይ ወርቂ መኽደኒ ግበር፣ ንውሓቱ ኽልተ እመትን ፈረቓን፡ ግፍሑ ኸኣ እመትን ፈረቓን ይኹን።+ 18 ካብ ወርቂ ድማ ክልተ ኪሩቤል ግበር፣ ኣብ ክልቲኡ ወሰን እቲ መኽደኒ ብሞደሻ ቐጥቂጥካ ግበሮም።+ 19 ነቶም ኪሩቤል ኣብ ክልቲኡ ወሰን፡ ማለት እቲ ሓደ ኪሩብ በቲ ሓደ ወሰን፡ እቲ ኻልኣይ ኪሩብ ድማ በቲ ኻልኣይ ወሰን ግበሮም። 20 እቶም ኪሩቤል ከኣ ኣኽናፎም ናብ ላዕሊ ኣቢሎም ብምዝርጋሕ ነቲ መኽደኒ ብኣኽናፎም የጽልልዎ፣+ ፊት ንፊት ድማ ይኹኑ። ገጾም ከኣ ናብቲ መኽደኒ ኣቢሉ ይኹን።
-