ዘጸኣት 22:29 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 “ካብቲ ኣኺሉ ዚተርፍ ፍርያትካን መሊኡ ዚጅርብብ መጽመቚኻን፡* መባእ ንምሃብ ኣይተማትእ።+ ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንዓይ ሃበኒ።+ ዘጸኣት 34:19, 20 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 “ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* እንተላይ ካብ ማልካ ተባዕታይ በዅሪ ዘበለ ብዕራይ ኰነ በጊዕ፡+ ናተይ እዩ።+ 20 ንበዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ። እንተ ዘይተበጂኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ ንዅሉ በዅሪ ተበጀዎ።+ ሓደ እኳ ኣብ ቅድመይ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ። ዘሌዋውያን 27:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 “‘ግናኸ፡ በዅሪ እንስሳ፡ በዅሪ ዀይኑ ንየሆዋ ተወሊዱ እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ኣይቀድሶ።+ ብዕራይ ኰነ ወይ በጊዕ፡ ድሮ ናይ የሆዋ ዀይኑ እዩ።+ ዘሁልቍ 3:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 በዅሪ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ።+ በታ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ፡+ ኣብ እስራኤል በዅሪ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ንዓይ ቀዲሰዮ እየ።+ ናተይ ይኹኑ። ኣነ የሆዋ እየ።” ሉቃስ 2:22, 23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 22 ከም ሕጊ ሙሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ ኣኸላ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ* ኬቕርብዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፣ 23 ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ፡* “ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* ንየሆዋ* እተቐደሰ ይበሃል” እተባህለ፡ ከምኡ ገበሩ፣+
19 “ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* እንተላይ ካብ ማልካ ተባዕታይ በዅሪ ዘበለ ብዕራይ ኰነ በጊዕ፡+ ናተይ እዩ።+ 20 ንበዅሪ ኣድጊ ድማ ብበጊዕ ተበጀዎ። እንተ ዘይተበጂኻዮ ኸኣ፡ ክሳዱ ስበሮ። ካብ ደቅኻ ድማ ንዅሉ በዅሪ ተበጀዎ።+ ሓደ እኳ ኣብ ቅድመይ ጥራይ ኢዱ ኣይርአ።
13 በዅሪ ዘበለ ዅሉ ናተይ እዩ።+ በታ ንዅሉ በዅሪ ምድሪ ግብጺ ዝወቓዕኩላ መዓልቲ፡+ ኣብ እስራኤል በዅሪ ዘበለ ዅሉ፡ ካብ ሰብ ክሳዕ እንስሳ፡ ንዓይ ቀዲሰዮ እየ።+ ናተይ ይኹኑ። ኣነ የሆዋ እየ።”
22 ከም ሕጊ ሙሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ ኣኸላ፡+ ኣብ ቅድሚ የሆዋ* ኬቕርብዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፣ 23 ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ፡* “ኵሉ ተባዕታይ በዅሪ፡* ንየሆዋ* እተቐደሰ ይበሃል” እተባህለ፡ ከምኡ ገበሩ፣+