6 ንኣቦታትኩም ካብ ግብጺ ኸውጽኦም ከለኹ፡+ ናብ ባሕሪ በጻሕኩም፣ ግብጻውያን ከኣ ንኣቦታትኩም ብሰረገላታትን ብፈረሰኛታትን ክሳብ ቀይሕ ባሕሪ ሰዓብዎም።+ 7 ንሳቶም ድማ ናብ የሆዋ ኣእወዩ፣+ ንሱ ኸኣ ኣብ መንጎኹምን ኣብ መንጎ ግብጻውያንን ጸልማት ገበረ፣ ነቲ ባሕሪ ድማ ናብ ልዕሊኦም ኣምጺኡ ደፈኖም፣+ እቲ ኣብ ግብጺ ዝገበርክዎ ኸኣ ኣዒንትኹም ረኣያኦ።+ ኣብ በረኻ ድማ ብዙሕ ዓመታት ተቐመጥኩም።+