9 ነቶም ሰባት ድማ ከምዚ በለቶም፦ “የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣ ኸም ዚህበኩም፡+ ብኣኻትኩም ድማ ፈሪህና ኸም ዘለና እፈልጥ እየ።+ ኵሎም ነበርቲ እዛ ምድሪ ብሰንክኹም ጃጅዮም እዮም።+ 10 ከመይሲ፡ ካብ ግብጺ ኽትወጹ ኸለኹም፡ የሆዋ ንማያት ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ቅድሜኹም ከም ዘንቀጾ፡+ ነቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ዝነበሩ ዘጥፋእኩምዎም ክልተ ነገስታት ኣሞራውያን፡ ማለት ንሲሆንን+ ንዖግን+ ከኣ ዝገበርኩምዎም ሰሚዕና ኢና።