ዘሁልቍ 11:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 እቲ ኣብ ማእከሎም ዝነበረ ሕውስዋስ ህዝቢ*+ ኸኣ ህርፋኑ ገለጸ፣+ እስራኤላውያን እውን ከምዚ እናበሉ መሊሶም በኸዩ፦ “እንበልዖ ስጋ መን ኪህበና እዩ፧+ ዘሁልቍ 14:2, 3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ፣+ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ነቐፎም፦ “ኣብ ምድሪ ግብጺ ሞይትና እንተ ንኸውን፡ ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ሞይትና እንተ ንኸውን መን ምሃበ፧ 3 የሆዋ ብሰይፊ ኽንወድቕ ኢሉ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ዜእትወና ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧+ ኣንስትናን ደቅናን ኪማረኹ እዮም።+ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ኣይሕሸናን፧”+
2 ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ኣብ ልዕሊ ሙሴን ኣሮንን ኣጕረምረሙ፣+ ብዘሎ እቲ ኣኼባ ኸኣ ከምዚ ኢሉ ነቐፎም፦ “ኣብ ምድሪ ግብጺ ሞይትና እንተ ንኸውን፡ ወይ ኣብዚ በረኻ እዚ ሞይትና እንተ ንኸውን መን ምሃበ፧ 3 የሆዋ ብሰይፊ ኽንወድቕ ኢሉ ናብዛ ምድሪ እዚኣ ዜእትወና ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧+ ኣንስትናን ደቅናን ኪማረኹ እዮም።+ ናብ ግብጺ እንተ ንምለስዶ ኣይሕሸናን፧”+