ዘጸኣት 34:14 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 የሆዋ ንበይኑ ተወፋይነት ብምድላዩ* ዚፍለጥ እዩ* እሞ፡ ንኻልእ ኣምላኽ ኣይትስገድ።+ እወ፡ ንሱ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እዩ።+ ማቴዎስ 4:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ሽዑ፡ የሱስ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ኣምልኮ፡+ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣገልግሎ’*+ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ፡ ሰይጣን!” በሎ። ሉቃስ 10:27 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 27 ንሱ ኸኣ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን* ብምሉእ ሓይልኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን+ ኣፍቅሮ፡’ ድማ፡ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’” ኢሉ መለሰሉ።+
27 ንሱ ኸኣ፡ “‘ንየሆዋ* ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን* ብምሉእ ሓይልኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን+ ኣፍቅሮ፡’ ድማ፡ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ’” ኢሉ መለሰሉ።+