-
ዘጸኣት 36:24-26መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
24 ኣብ ትሕቲ እቲ 20 መቓን ሉሕ ድማ፡ ካብ ብሩር 40 ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ ነቲ ኽልተ ተሰኳዒ ጫፉ ዚኸውን ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ ከኣ ነቲ ኸክልተ ተሰኳዒ ጫፍ ዚኸውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ።+ 25 በቲ ኻልእ ሸነኽ እቲ ማሕደር፡ ብሰሜናዊ ሸነኽ፡ 20 መቓን ሉሕ ገበረ። 26 ካብ ብሩር ድማ 40 ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ፣ ኣብ ትሕቲ ሓደ መቓን ሉሕ ክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ፡ ኣብ ተትሕቲ ዅሉ ዚስዕብ መቓናት ሉሕ እውን ከክልተ ዚስኵዓሉ መቘሚ ገበረ።
-