-
ዘጸኣት 25:2-7መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
2 “ንህዝቢ እስራኤል መባእ ከምጽኡለይ ንገሮም፣ ልቡ ኻብ ዝደረኾ ዘበለ ዅሉ፡ መባእ ኣምጽኡለይ።+ 3 እቲ ኻባታቶም እትቕበልዎ መባእ እዚ እዩ፦ ወርቂ፡+ ብሩር፡+ ነሓሲ፡+ 4 ሰማያዊ ፈትሊ፡ ጁዅ ዝሕብሩ ጸምሪ፡* ውጹእ ቀይሕ ፈትሊ፡ ቅጭን በፍታ፡ ጸጕሪ ጤል፡ 5 ብቐይሕ እተኣጀለ ቘራብቲ ድዑል፡ ቈራብቲ ታሓሽ፡* ዕንጨይቲ ሰራው፡+ 6 ንቐንዴል ዚኸውን ዘይቲ፡+ ንዘይቲ ቕብኣትን+ ንጥዑም ዝጨናኡ ዕጣንን+ ዚኸውን በለሳን፡ 7 ኣብ ኤፎድን+ ኣብ ልብሲ ኣፍ ልብን+ ዚኸውን ኣእማን ኦኒክስን ካልእ ኣእማንን።
-
-
ዘጸኣት 35:29መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
29 ልቦም ዘለዓዓሎም ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ነቲ የሆዋ ኺግበር ኢሉ ብሙሴ ኣቢሉ ዝኣዘዞ ዕዮ ዚኸውን ነገራት ኣምጽኡ፣ እስራኤላውያን ከኣ ንየሆዋ መስዋእቲ ፍታው ኪኸውን ኣምጽእዎ።+
-