-
ዘሌዋውያን 5:11, 12መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
11 “‘ንኽልተ ባሬቶ ወይ ንኽልተ ጫቚት ርግቢ ዚኣክል ዓቕሚ እንተ ዘይብሉ ግና፡ ብዛዕባ እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ንመስዋእቱ ዚኸውን ዓስራይ ኣፍ ኤፋ*+ ድኹም ሓርጭ ንመስዋእቲ ሓጢኣት የምጽእ። መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ ዘይቲ ኣይኽዓወሉ፡ ጻዕዳ ዕጣን እውን ኣይግበረሉ። 12 ናብ ካህን ድማ የምጽኣዮ፣ እቲ ኻህን ከኣ ካብኡ ንብምሉኡ ዚውክል መስዋእቲ* ኪኸውን ዕማዅ ወሲዱ፡ ኣብቲ መሰውኢ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ንየሆዋ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ የሕርሮ። ንሱ መስዋእቲ ሓጢኣት እዩ።
-