ዘሌዋውያን 20:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 “‘ኣነ የሆዋ ኣምላኽኩም እየ እሞ፡ ተቐደሱን ቅዱሳት ኩኑን።+ ዘሌዋውያን 20:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ኣነ የሆዋ ቕዱስ እየ እሞ፡ ቅዱሳት ኩኑለይ።+ ናተይ ክትኰኑ ድማ ካብ ህዝብታት እፈልየኩም ኣለኹ።+ እያሱ 24:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 እያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ በሎ፦ “ንየሆዋ ኸተገልግልዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ንሱስ ቅዱስ ኣምላኽ እዩ፣+ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እውን እዩ።+ ኣበሳኹምን* ሓጢኣትኩምን ኣይኪሓድገልኩምን እዩ።+ 1 ሳሙኤል 2:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ከም የሆዋ ዝበለ ቕዱስ የልቦን፡ብዘይካኻ ኻልእ የልቦን፣+ከም ኣምላኽና ዝበለ ኸውሒ ኸኣ የልቦን።+
19 እያሱ ድማ ነቲ ህዝቢ ኸምዚ በሎ፦ “ንየሆዋ ኸተገልግልዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ንሱስ ቅዱስ ኣምላኽ እዩ፣+ ንበይኑ ተወፋይነት ዚደሊ ኣምላኽ እውን እዩ።+ ኣበሳኹምን* ሓጢኣትኩምን ኣይኪሓድገልኩምን እዩ።+