-
ዘሁልቍ 28:26-31መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
26 “‘ብመዓልቲ በዅሪ ፍረ፡+ ንየሆዋ ሓድሽ መስዋእቲ እኽሊ ኸተቕርቡ ኸለኹም፡+ ኣብቲ በዓል ሰሙናትኩም ቅዱስ ኣኼባ ግበሩ።+ ዝዀነ ኸቢድ ዕዮ ኣይትዕየዩ።+ 27 ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ዚሓርር መስዋእቲ ኪኸውን፡ ክልተ ዝራብዕን ሓደ ድዑልን ሸውዓተ ገንሸል ዓመትን ኣቕርቡ፣+ 28 ንመስዋእቲ እኽሎም ድማ፡ ነንሓደ ዝራብዕ ሰለስተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ብዘይቲ እተቘምጥዐ ድኹም ሓርጭ፡ ነቲ ድዑል ከኣ ክልተ ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ፡ 29 ነቶም ሸውዓተ ገንሸል ድማ ነንሓደ ገንሸል ዓስራይ ኣፍ ስፍሪ ይኹን፣ 30 ንምትዕራቕኩም ከኣ ሓደ ወጠጦ ኣቕርቡ።+ 31 ኣብ ልዕሊ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ እኽሉን፡ እዚ ሰውኡ። ጥዑያት እንስሳታት ይኹኑ፣+ ምስ መስዋእቲ መስተኦም ድማ ይቕረቡ።
-