ዘሁልቍ 5:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 እቲ ዝገበሮ ሓጢኣት ይናዘዝ፡*+ ምሉእ ካሕሳ በደሉ ኸኣ ይምለስ፡ ሓምሻይ ኣፍ ድማ ይወስኸሉ፡+ ነቲ ዝበደሎ እውን ይሃቦ። መዝሙር 32:5 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 5 ኣብ መወዳእታ፡ ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ፣ስሕተተይ ድማ ኣይከወልኩን።+ “ኣበሳይ ንየሆዋ ኽናዘዝ እየ” ኢለ።+ ንስኻ እውን ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ።+ (ሴላ) ምሳሌ 28:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ኣበሳኡ ዚሓብእ፡ ኣይሰልጦን፣+ዚናዘዘሉን ዚሓድጎን ግና፡ ምሕረት ይረክብ።+ 1 ዮሃንስ 1:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 ሓጢኣትና እንተ ተናዚዝና፡ ንሓጢኣትና ኺሓድገልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻ እውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።+
5 ኣብ መወዳእታ፡ ሓጢኣተይ ተናዚዘልካ፣ስሕተተይ ድማ ኣይከወልኩን።+ “ኣበሳይ ንየሆዋ ኽናዘዝ እየ” ኢለ።+ ንስኻ እውን ስሕተት ሓጢኣተይ ሓዲግካለይ።+ (ሴላ)