-
ዘሌዋውያን 15:13-15መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
13 “‘እቲ ምኽዓው ደው ምስ በለ፡ እቲ ፈሳሲ ዚክዓዎ ድማ ካብኡ ምስ ነጽሀ፡ ንምንጻሁ ሸውዓተ መዓልቲ ይቝጸር፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ሰብነቱ ኸኣ ብፈልፋሊ ማይ ይተሓጸብ፡ ንጹህ ድማ ይኸውን።+ 14 ኣብ ሻምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ ይውሰድ፣+ ናብ ቅድሚ የሆዋ፡ ናብ ኣፍ ደገ ድንኳን ምርኻብ ይምጻእ እሞ፡ ንኻህን ይሃበን። 15 እቲ ኻህን ድማ፡ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት፡ እታ ኻልአይቲ ኸኣ ንዚሓርር መስዋእቲ ይሰውኣየን፣ እቲ ኻህን ድማ ብዛዕባ እቲ ዚክዓዎ ፈሳሲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ የተዓርቆ።
-