-
ዘሁልቍ 28:3-8መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
3 “ከምዚ ድማ በሎም፦ ‘ንየሆዋ እተቕርብዎ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዚ እዩ፦ ነቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ነንመዓልቲ ጥዑያት ክልተ ገንሸል* ዓመት።+ 4 ነቲ ሓደ ገንሸል ንግሆ ሰውኣዮ፣ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ከኣ ጽልግልግ ምስ በለ* ሰውኣዮ፣+ 5 ምስኡ ኸኣ ንመስዋእቲ እኽሊ ብርብዒ ሂን* ጕዱእ ዘይቲ እተቘምጥዐ ዓስራይ ኣፍ ኤፋ* ድኹም ሓርጭ ኣቕርብ።+ 6 እዚ እቲ ናይ ወትሩ ዚሓርር መስዋእቲ፡+ ኣብ ከረን ሲና ዝቘመ ንየሆዋ ጥዑም ጨና ዚኸውን ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ እዩ፣ 7 ምስኡ ኸኣ መስዋእቲ መስተ፡ ማለት ነንሓደ ገንሸል ርብዒ ሂን ይቕረብ።+ እቲ ኣልኮላዊ መስተ ንየሆዋ መስዋእቲ መስተ ኪኸውን ኣብቲ መቕደስ ኣፍስሶ። 8 ጽልግልግ ምስ በለ* ኸኣ፡ ነቲ ኻልኣይ ገንሸል ሰውኣዮ። ከምቲ ናይ ንግሆ ድማ ምስ መስዋእቲ እኽልን ምስ መስዋእቲ መስተን፡ ንየሆዋ ጥዑም ዝጨናኡ ብሓዊ ዚግበር መስዋእቲ ኪኸውን ኣቕርብ።+
-