132 ኦ የሆዋ፡ ንዳዊትን
ንዅሉ መከራኡን ዘክር፣+
2 እወ፡ ከመይ ንየሆዋ ኸም ዝመሓለ፡
ነቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ከመይ ከም እተመባጽዐ ዘክር፦+
3 “ናብ ድንኳነይ፡ ናብ ቤተይ ኣይኣቱን እየ።+
ኣብ ዓራተይ፡ ኣብ መደቀስየይ በጥ ኣይብልን እየ።
4 ንኣዒንተይ ድቃስ፡
ንኸበሮ ዓይነይ ሰለምታ ኣይህብን እየ።
5 ንየሆዋ ቦታ፡
ነቲ ናይ ያእቆብ ሓያል ድማ ብሉጽ መንበሪ ኽሳዕ ዝረኽበሉ፡ እዚ ኣይገብርን እየ።”+