እያሱ 11:23 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 23 እያሱ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዘተስፈዎ፡ ንዅላ እታ ምድሪ ሓዛ፣+ ሽዑ፡ እያሱ ንእስራኤል ርስቲ ኽትከውን፡ በብግዲኦም ኣብ መንጎ ነገዳቶም ክትመቓቐል ሃቦም።+ እታ ምድሪ ድማ ካብ ውግእ ዓረፈት።+ እያሱ 18:1 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ኵሉ ኣኼባ እስራኤላውያን ድማ ኣብ ሺሎ+ ተኣከበ፣ እታ ምድሪ ኸኣ ተገዚኣትሎም ነበረት እሞ፡+ ነቲ ድንኳን ምርኻብ ኣብኡ ተኸልዎ።+ መዝሙር 44:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ብኣእዳውካ ንኣህዛብ ሰጒጕካስ+ንኣቦታትና ኣብኡ ኣስፊርካዮም።+ ንኣህዛብ ሓምሺሽካዮምን ሰጒጕካዮምን።+
23 እያሱ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንሙሴ ዘተስፈዎ፡ ንዅላ እታ ምድሪ ሓዛ፣+ ሽዑ፡ እያሱ ንእስራኤል ርስቲ ኽትከውን፡ በብግዲኦም ኣብ መንጎ ነገዳቶም ክትመቓቐል ሃቦም።+ እታ ምድሪ ድማ ካብ ውግእ ዓረፈት።+