እያሱ 1:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ሃገርኩም ካብ በረኻ ኽሳብ ሊባኖስ፡ ክሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ ኤፍራጥስ፡—ኵላ ምድሪ ሔታውያን፡+—ብምዕራብ* ከኣ ክሳብ እቲ ዓብዪ ባሕሪ* ኪኸውን እዩ።+ እያሱ 15:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 እቲ ምዕራባዊ ዶብ ድማ እቲ ዓብዪ ባሕርን*+ ገምገሙን እዩ። ዶብ ደቂ ይሁዳ በብዓሌቶም ብዙርያኡ እዚ እዩ።