ዘዳግም 19:8, 9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 “የሆዋ ኣምላኽካ ኸምቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ሃገርካ ምስ ኣግፍሓልካ፡+ ኵላ እታ ንኣቦታትካ ኺህቦም ዘተስፈዎም ምድሪ ድማ ምስ ሃበካ፡+ 9 —ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸተፍቅሮን ወትሩ ብመገዱ ኽትመላለስን ከኣ፡+ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ብተኣማንነት እንተ ሓሊኻ፡—ነዘን ሰለስተ እዚአን፡ ካልእ ሰለስተ ኸተማ ወስኸለን።+ እያሱ 20:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ስለዚ፡ ኣብ ገሊላ ኣብ ኣኽራን ንፍታሌም ንቀደሽ፡+ ኣብ ኣኽራን ኤፍሬም ንሴኬም፡+ ኣብ ኣኽራን ይሁዳ ኸኣ ንቂርያት-ኣርባዕ፡+ ንሳ ድማ ኬብሮን፡ ቀደሱ።*
8 “የሆዋ ኣምላኽካ ኸምቲ ንኣቦታትካ ዝመሓለሎም ሃገርካ ምስ ኣግፍሓልካ፡+ ኵላ እታ ንኣቦታትካ ኺህቦም ዘተስፈዎም ምድሪ ድማ ምስ ሃበካ፡+ 9 —ንየሆዋ ኣምላኽካ ኸተፍቅሮን ወትሩ ብመገዱ ኽትመላለስን ከኣ፡+ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘለኹ ዅሉ ትእዛዝ ብተኣማንነት እንተ ሓሊኻ፡—ነዘን ሰለስተ እዚአን፡ ካልእ ሰለስተ ኸተማ ወስኸለን።+