ዘፍጥረት 30:10, 11 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ዚልጳ ገረድ ልያ ድማ ንያእቆብ ወዲ ወለደትሉ። 11 ሽዑ፡ ልያ፡ “ተዓዲለ” ኢላ ስሙ ጋድ* ኣውጽኣትሉ።+ ዘፍጥረት 46:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 ደቂ ጋድ፡+ ጺፍዮንን ሓጊን ሹኒን ኤጽቦንን ዔሪን ኣሮዲን ኣርኤሊን።+ ዘሁልቍ 2:14, 15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ቀጺሉ ድማ ነገድ ጋድ እዩ። ሹም ደቂ ጋድ ከኣ ኤልያሳፍ+ ወዲ ረዑኤል እዩ። 15 እቶም ኣብ ሰራዊቱ እተመዝገቡ ድማ፡ 45,650 እዮም።+