ዘጸኣት 38:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 ጸብጻብ እቲ ብትእዛዝ ሙሴ፡ ብሓላፍነት እቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ዝነበሩ ሌዋውያን እተጸብጸበ ማሕደር፡+ ማሕደር ምስክር፡+ እዚ ዚስዕብ እዩ። ዘሁልቍ 3:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 “ንነገድ ሌዊ+ ኣምጺእካ ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣሮን ደው ኣብሎም፣ ንሳቶም ከኣ የገልግልዎ።+ ዘሁልቍ 3:8 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 8 ንዅሉ ኣቕሑ ድንኳን ምርኻብ ይከናኸኑ፡+ ኣገልግሎት ማሕደር እናገበሩ ድማ ንእስራኤላውያን ዘለዎም ሓላፍነት ይፈጽሙ።+
21 ጸብጻብ እቲ ብትእዛዝ ሙሴ፡ ብሓላፍነት እቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ኢታማር+ ወዲ ኻህን ኣሮን ዝነበሩ ሌዋውያን እተጸብጸበ ማሕደር፡+ ማሕደር ምስክር፡+ እዚ ዚስዕብ እዩ።