6 እቶም ካህናት ድማ ኣብቲ እተመደበሎም ዕዮ ደው ኢሎም ነበሩ፣ እቶም ንየሆዋ ዚዝመር መዝሙር ዜሰኒ ናውቲ ዝሓዙ ሌዋውያን እውን ከምኡ።+ (ዳዊት ምሳታቶም ኰይኑ ኺውድስ ከሎ፡ “ብተኣማንነት ዜርእዮ ፍቕሩ ንዘለኣለም ይነብር እዩ እሞ” ተባሂሉ የሆዋ ኺምስገነሉ ኢሉ ንጉስ ዳዊት ነዚ ናውቲ እዚ ገይርዎ ነበረ።) እቶም ካህናት ከኣ ኣብ መንጽሮም ኰይኖም ዓው ኣቢሎም መለኸት ይነፍሑ ነበሩ፣+ ኵሎም እስራኤላውያን ድማ ደው ኢሎም ነበሩ።