ዘፍጥረት 13:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 ኣብራም ድማ ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ነበረ። ጸኒሑ፡ ናብቲ ኣብ ኬብሮን+ ዘሎ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ+ መጺኡ፡ ኣብኡ ተቐመጠ፣ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ።+ እያሱ 15:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ንካሌብ+ ወዲ የፉነ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንእያሱ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳ ግደ፡ ማለት ቂርያት-ኣርባዕ (ኣርባዕ ኣቦ ዓናቅ እዩ)፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ሃቦ። እያሱ 21:11, 12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 11 ኣብ ኣኽራን ይሁዳ ኸኣ ቂርያት-ኣርባዕን+ (ኣርባዕ ኣቦ ዓናቅ እዩ)፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ መጓሰዪታታን ሃብዎም። 12 ግራውቲ እታ ኸተማን ሰፈራታን ግና ንካሌብ ወዲ የፉነ ርስቱ ገይሮም ሃብዎ።+
18 ኣብራም ድማ ኣብ ድንኳናት ይቕመጥ ነበረ። ጸኒሑ፡ ናብቲ ኣብ ኬብሮን+ ዘሎ ዓበይቲ ኣእዋም መምሬ+ መጺኡ፡ ኣብኡ ተቐመጠ፣ ኣብኡ ኸኣ ንየሆዋ መሰውኢ ሰርሐ።+
13 ንካሌብ+ ወዲ የፉነ ኸኣ፡ ከምቲ የሆዋ ንእያሱ ዝኣዘዞ፡ ኣብ መንጎ ደቂ ይሁዳ ግደ፡ ማለት ቂርያት-ኣርባዕ (ኣርባዕ ኣቦ ዓናቅ እዩ)፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ሃቦ።
11 ኣብ ኣኽራን ይሁዳ ኸኣ ቂርያት-ኣርባዕን+ (ኣርባዕ ኣቦ ዓናቅ እዩ)፡ ንሳ ድማ ኬብሮን፡+ ኣብ ዙርያኣ ዘሎ መጓሰዪታታን ሃብዎም። 12 ግራውቲ እታ ኸተማን ሰፈራታን ግና ንካሌብ ወዲ የፉነ ርስቱ ገይሮም ሃብዎ።+