ዘጸኣት 28:2 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 2 ንሓውካ ኣሮን ድማ ንኽብርን ንጌጽን ዚኸውን ቅዱስ ክዳውንቲ ግበረሉ።+ ዘጸኣት 29:29 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 29 “እቲ ቕዱስ ክዳውንቲ+ ኣሮን ድማ፡ ደቁ ብድሕሪኡ ኻህናት ኰይኖም ኪቕብኡን ኪሽየሙን ከለዉ ይጠቐሙሉ።+