ዘሁልቍ 33:39 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 39 ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ኪመውት ከሎ፡ ወዲ 123 ዓመት ነበረ። ዘዳግም 10:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 “እስራኤላውያን ድማ ካብ ብኤሮት-ብነ-ያዓቃን ናብ ሞሴራ ተጓዕዙ። ኣሮን ከኣ ኣብኡ ሞተ፡ ተቐብረ እውን፣+ ኣብ ክንዳኡ ድማ፡ ወዱ ኣልኣዛር ካህን ኰነ።+ ዘዳግም 32:50 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 50 ከምቲ ሓውካ ኣሮን ኣብ ከረን ሆር ዝሞተን+ ናብ ህዝቡ እተኣከበን፡* ንስኻ እውን ኣብቲ እትድይቦ ኸረን ክትመውትን ናብ ህዝብኻ ኽትእከብን ኢኻ፣