ማቴዎስ 7:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ጥራይ ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ።+ ያእቆብ 1:25 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 25 እቲ ኣብቲ ፍጹም ሕጊ ሓርነት ኣተኲሩ ዚጥምትን+ ብእኡ ዚጸንዕን ግና፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዚርስዕ ሰማዒ ኣይኰነን፣ ብግብሩ ድማ ሕጉስ ኪኸውን እዩ።+