ዘዳግም 4:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 “ሓንትስ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ነገራት ከይትርስዖ፡ ብዅሉ መዓልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ፡ ተጠንቀቕ፡ ርእስኻ* እውን ሓሉ። ነዚ ኸኣ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ኣፍልጦም።+ ዘዳግም 11:19 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 19 ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከለኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብዛዕባኡ እናተዛረብኩም እውን፡ ንደቅኹም ምሃርዎም።+
9 “ሓንትስ እቲ ኣዒንትኻ ዝረኣያኦ ነገራት ከይትርስዖ፡ ብዅሉ መዓልትታት ህይወትካ ድማ ካብ ልብኻ ኸይወጽእ፡ ተጠንቀቕ፡ ርእስኻ* እውን ሓሉ። ነዚ ኸኣ ንደቅኻን ንደቂ ደቅኻን ኣፍልጦም።+