ዘጸኣት 32:12 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 12 ስለምንታይከ ግብጻውያን፡ ‘ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎምን ካብ ገጽ ምድሪ ኼጽንቶምን ኢሉ ኽፉእ ሓሲቡ ኣውጺእዎም’ ኢሎም ዚዛረቡ፧+ ካብቲ ዚነድድ ቍጥዓኻ ደኣ ተመለስ፣ ነቲ ኣብ ህዝብኻ እዚ መዓት እዚ ንምምጻእ ዝገበርካዮ ውሳነ እውን ዳግም ሕሰበሉ።* ዘሁልቍ 14:15, 16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 15 ነዚ ህዝቢ እዚ ብሓንሳእ* እንተ ቐቲልካዮ፡ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ኣህዛብ፡ 16 ‘የሆዋ ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ኺህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ በረኻ ሓሪድዎም’ ኪብሉ እዮም።+
12 ስለምንታይከ ግብጻውያን፡ ‘ኣብ ኣኽራን ኪቐትሎምን ካብ ገጽ ምድሪ ኼጽንቶምን ኢሉ ኽፉእ ሓሲቡ ኣውጺእዎም’ ኢሎም ዚዛረቡ፧+ ካብቲ ዚነድድ ቍጥዓኻ ደኣ ተመለስ፣ ነቲ ኣብ ህዝብኻ እዚ መዓት እዚ ንምምጻእ ዝገበርካዮ ውሳነ እውን ዳግም ሕሰበሉ።*
15 ነዚ ህዝቢ እዚ ብሓንሳእ* እንተ ቐቲልካዮ፡ እቶም ዝናኻ ዝሰምዑ ኣህዛብ፡ 16 ‘የሆዋ ነዚ ህዝቢ እዚ ናብታ ኺህቦም ዝመሓለሎም ምድሪ ኼእትዎም ስለ ዘይከኣለ፡ ኣብ በረኻ ሓሪድዎም’ ኪብሉ እዮም።+