ዘፍጥረት 9:6 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 6 ኣምላኽ ንሰብ ብመልክዑ ገይርዎ እዩ እሞ፡+ እቲ ደም ሰብ ዜፍስስ፡ ደሙ ብሰብ ኪፈስስ እዩ።+ ዘጸኣት 20:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 “ኣይትቕተል።+ ዘሁልቍ 35:20, 21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 ብጽልኢ እንተ ደፊእዎ ወይ ብኽፍኣት ሓሊኑ* ገለ ነገር እንተ ደርብዩሉ እሞ እንተ ሞይቱ፡+ 21 ወይ ብጽልኢ ተደሪኹ ብኢዱ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ዝወቕዐ ብርግጽ ይቀተል። ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታል ነፍሲ ምስ ዚረኽቦ፡ ይቕተሎ። ማቴዎስ 5:21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 21 “ነቶም ቀዳሞት፡ ‘ዚቐትል ዘበለ ብቤት ፍርዲ ተሓታቲ ኪኸውን እዩ እሞ፡+ ኣይትቕተል’+ ከም እተባህሎም ሰሚዕኩም ኣለኹም። ሮሜ 13:9 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 9 እቲ፡ “ኣይትዘሙ፡+ ኣይትቕተል፡+ ኣይትስረቕ፡+ ኣይትተምነ”+ ዚብል ሕጊ፡ ካልእ ትእዛዝ ዘበለ እውን እንተ ኣልዩ፡ ኣብቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ”+ ዚብል ቃል ይጠቓለል እዩ።
20 ብጽልኢ እንተ ደፊእዎ ወይ ብኽፍኣት ሓሊኑ* ገለ ነገር እንተ ደርብዩሉ እሞ እንተ ሞይቱ፡+ 21 ወይ ብጽልኢ ተደሪኹ ብኢዱ እንተ ወቒዕዎ እሞ እንተ ሞይቱ፡ እቲ ዝወቕዐ ብርግጽ ይቀተል። ንሱ ቐታል ነፍሲ እዩ። እቲ ፈዳይ ደም ነቲ ቐታል ነፍሲ ምስ ዚረኽቦ፡ ይቕተሎ።
9 እቲ፡ “ኣይትዘሙ፡+ ኣይትቕተል፡+ ኣይትስረቕ፡+ ኣይትተምነ”+ ዚብል ሕጊ፡ ካልእ ትእዛዝ ዘበለ እውን እንተ ኣልዩ፡ ኣብቲ፡ “ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ”+ ዚብል ቃል ይጠቓለል እዩ።