ዘዳግም 21:20, 21 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 20 ነቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ድማ፡ ‘እዚ ወድና እዚ ነቓጽን ዓላውን እዩ፡ ኣይእዘዘናን እውን እዩ። ህሩፍን+ ሰኽራምን+ ከኣ እዩ’ ይበልዎም። 21 ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ፣ ኵሉ እስራኤል ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።+ ዘዳግም 24:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 “ሓደ ሰብ ንሓደ* ኻብ ኣሕዋቱ ኻብ እስራኤላውያን ጨውዩ እንተ ገፊዕዎን እንተ ሸይጥዎን፡+ እቲ ጨዋዪ ይሙት።+ ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።+ 1 ቈረንቶስ 5:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ነቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ዚፈርዶም ግና ኣምላኽ እዩ።+ “ነቲ እኩይ ካባኻትኩም ኣርሕቕዎ።”+
20 ነቶም ዓበይቲ ኸተማኡ ድማ፡ ‘እዚ ወድና እዚ ነቓጽን ዓላውን እዩ፡ ኣይእዘዘናን እውን እዩ። ህሩፍን+ ሰኽራምን+ ከኣ እዩ’ ይበልዎም። 21 ኵሎም ሰብ እታ ኸተማኡ ድማ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዎ። ንኽፉእ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ፣ ኵሉ እስራኤል ድማ ሰሚዑ ኺፈርህ እዩ።+