8 እዛ ቤት እዚኣ ኸኣ ኵምራታት ዑና ኽትከውን እያ።+ ብእኣ ዚሓልፍ ዘበለ ድማ ተገሪሙ ኺጥምታ፡ ኪፋጺ፡ ‘የሆዋ ነዛ ምድሪ እዚኣን ነዛ ቤት እዚኣን ከምዚ ዝገበረን ስለምንታይ እዩ፧’ እውን ኪብል እዩ።+ 9 ሽዑ፡ ‘ነቲ ንኣቦታቶም ካብ ምድሪ ግብጺ ዘውጽኦም የሆዋ ኣምላኾም ስለ ዝሓደግዎ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ስለ ዝሓዙን ስለ ዝሰገዱሎምን ስለ ዘገልገልዎምን እዩ። ስለዚ እዩ የሆዋ እዚ ዅሉ መዓት ኣብ ልዕሊኦም ዘምጽአ’ ኺብሉ እዮም።”+