እያሱ 3:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 ከብዲ እግሪ እቶም ታቦት እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ዝዀነ የሆዋ ዚጾሩ ኻህናት ንማይ ዮርዳኖስ ትንክፍ ምስ ኣበሎ፡* እቲ ኻብ ላዕሊ ዚውሕዝ ማይ ዮርዳኖስ ኬቋርጽ፡ ከም ግድብ* ኰይኑ ድማ ደው ኪብል እዩ።”+ እያሱ 3:16 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 16 እቲ ኻብ ላዕሊ ዚውሕዝ ዝነበረ ማይ ደው በለ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻሬታን እትርከብ ኣዳም እትብሃል ከተማ ኸም ግድብ* ኰይኑ ቘመ፣ እቲ ናብ ባሕሪ ዓራባ፡ ናብ ባሕሪ ጨው፡* ኣቢሉ ዚወርድ ማይ ከኣ ተሓንኰዀ። እቲ ማይ ኣቋረጸ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ናብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ።
13 ከብዲ እግሪ እቶም ታቦት እቲ ጐይታ ብዘላ ምድሪ ዝዀነ የሆዋ ዚጾሩ ኻህናት ንማይ ዮርዳኖስ ትንክፍ ምስ ኣበሎ፡* እቲ ኻብ ላዕሊ ዚውሕዝ ማይ ዮርዳኖስ ኬቋርጽ፡ ከም ግድብ* ኰይኑ ድማ ደው ኪብል እዩ።”+
16 እቲ ኻብ ላዕሊ ዚውሕዝ ዝነበረ ማይ ደው በለ። ኣብታ ኣብ ጥቓ ጻሬታን እትርከብ ኣዳም እትብሃል ከተማ ኸም ግድብ* ኰይኑ ቘመ፣ እቲ ናብ ባሕሪ ዓራባ፡ ናብ ባሕሪ ጨው፡* ኣቢሉ ዚወርድ ማይ ከኣ ተሓንኰዀ። እቲ ማይ ኣቋረጸ፡ እቲ ህዝቢ ድማ ናብ መንጽር ያሪኮ ተሳገረ።