ዘፍጥረት 13:14, 15 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 14 ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ፡ የሆዋ ንኣብራም፡ “በጃኻ ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብ ምዕራብን ጠምት፣ 15 ከመይሲ፡ እዛ እትርእያ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህበካ እየ።+ ዘፍጥረት 15:18 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወሉ፦+ “እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ካብ ፈለግ ግብጺ ኽሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ፡ ፈለግ ኤፍራጥስ፡+ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፣+ ዘፍጥረት 26:3 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 3 ኵላ እዛ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፡+ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጓና ዄንካ ተቐመጥ፣+ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን ከኣ እየ። እቲ ንኣቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ክፍጽሞ እየ።+ ዘፍጥረት 28:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ነዛ ኣምላኽ ንኣብርሃም ዝሃቦ ጓና ዄንካ እትነብረላ ዘለኻ ምድሪ ምእንቲ ኽትርስተያ፡+ ንዓኻን ምሳኻ ድማ ንዘርእኻን በረኸት ኣብርሃም+ ኪህበካ እዩ።”
14 ሎጥ ካብኡ ምስ ተፈልየ ድማ፡ የሆዋ ንኣብራም፡ “በጃኻ ኣዒንትኻ ኣልዕል እሞ፡ ካብዛ ዘለኻያ ቦታ ናብ ሰሜንን ናብ ደቡብን ናብ ምብራቕን ናብ ምዕራብን ጠምት፣ 15 ከመይሲ፡ እዛ እትርእያ ዘለኻ ዅላ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ንሓዋሩ ርስቲ ገይረ ኽህበካ እየ።+
18 በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሆዋ ንኣብራም ከምዚ ኢሉ ኺዳን ኣተወሉ፦+ “እዛ ምድሪ እዚኣ፡ ካብ ፈለግ ግብጺ ኽሳብ እቲ ዓብዪ ፈለግ፡ ፈለግ ኤፍራጥስ፡+ ንዘርእኻ ኽህቦ እየ፣+
3 ኵላ እዛ ምድሪ ንዓኻን ንዘርእኻን ክህበካ እየ እሞ፡+ ኣብዛ ምድሪ እዚኣ ጓና ዄንካ ተቐመጥ፣+ ምሳኻ ክኸውንን ክባርኸካን ከኣ እየ። እቲ ንኣቦኻ ኣብርሃም ዝመሓልኩሉ ማሕላ ድማ ክፍጽሞ እየ።+