-
ዘፍጥረት 32:29መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
29 ያእቆብ ድማ፡ “በጃኻ ስምካ ንገረኒ” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ግና፡ “ስለምንታይ ብዛዕባ ስመይ ትሓትት፧” በለ።+ ኣብኡ ኸኣ ባረኾ።
-
-
መሳፍንቲ 13:6መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
6 እታ ሰበይቲ ድማ፡ ከይዳ ንሰብኣያ ኸምዚ ኢላ ነገረቶ፦ “ትርኢቱ ኸም መልኣኽ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዚመስል፡ ኣዝዩ ዜፍርህ፡ ናይቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ሰብ መጺኡኒ ነይሩ። ካበይ ከም ዝመጸ ኣይሓተትክዎን፡ ንሱ እውን ስሙ ኣይነገረንን።+
-