32 ደጊም እንታይ እሞ ኽብል እየ፧ ብዛዕባ እኒ ጊዴዎን፡+ እኒ ባራቅ፡+ እኒ ሲምሶን፡+ እኒ ይፍታሕ፡+ እኒ ዳዊትን+ ሳሙኤልን+ ካልኦት ነብያትን ከየዘንትወልኩም ግዜ ይሓጽረኒ እዩ። 33 ንሳቶም ብእምነት ንመንግስትታት ስዒሮም፡+ ጽድቂ ኣምጺኦም፡ ተስፋታት ረኺቦም፡+ ኣፍ ኣናብስ ዓጽዮም፡+ 34 ንሓይሊ ሓዊ ኣጥፊኦም፡+ ካብ ስሕለት ሰይፊ ኣምሊጦም፡+ ካብ ድኻም በርቲዖም፡+ ኣብ ውግእ ሓዪሎም፡+ ንወራሪ ሰራዊት ሰጒጎም እዮም።+