ዘሁልቍ 3:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ንኣሮንን ንደቁን ድማ ሽሞም፣ ንሳቶም ከኣ ክህነቶም ይፈጽሙ።+ ዘይተፈቕደሉ ሰብ* እንተ ቐሪቡ፡ ይቀተል።”+ ዘዳግም 33:10 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 10 ንያእቆብ ፍርድታትካ፡+ንእስራኤል ከኣ ሕግኻ ይምሃሩ።+ ዕጣን ጥዑም ጨና ኪዀነካ፡*+ምሉእ መስዋእቲ ድማ ኣብ መሰውኢኻ የቕርቡ።+ ሚልክያስ 2:7 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 7 ከመይሲ፡ ካህን ልኡኽ የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ስለ ዝዀነ፡ ከናፍሩ ፍልጠት ኪሕሉ፡ ሰባት እውን ካብ ኣፉ ሕጊ* ኺደልዩ ይግባእ።+