-
1 ሳሙኤል 20:19-22መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
19 ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ብዝያዳ ኽትሰኣን ኢኻ፣ ናብታ ሓደ መዓልቲ* እተሓባእካላ ቦታ ኺድ እሞ፡ ኣብ ጥቓ እዚ እምኒ ጽናሕ። 20 ኣነ ድማ ናብ ዕላማ ኸም ዝውርውር ኣምሲለ፡ ናብቲ ሓደ ጐድኑ ሰለስተ ፍላጻ ኽውርውር እየ። 21 ጊልያ ምስ ሰደድኩ፡ ‘ኪድ፡ ነቲ ፍላጻታት ርኸቦ’ ኽብሎ እየ። ነቲ ጊልያ፡ ‘እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክነጀውካ እዩ ዘሎ፡ ውሰዶ’ እንተ ኢለዮ፡ ከምቲ የሆዋ ህያው ዝዀነ፡ ንዓኻ ሰላም ማለት እዩ፡ ዜስግእ እውን የልቦን እሞ፡ ክትምለስ ትኽእል ኢኻ። 22 ነቲ መንእሰይ፡ ‘እንሆ፡ እቲ ፍላጻታት ክንየውካ እዩ ዘሎ’ እንተ ኢለዮ ግና፡ ሽዑ የሆዋ ሰዲዱካ እዩ እሞ፡ ኪድ።
-