-
ዘፍጥረት 36:12መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
12 ቲምናዕ ድማ ሰበይቲ ወሰኑ ንኤሊፋዝ ወዲ ኤሳው ኰነት። ንሳ ኸኣ ንኤሊፋዝ፡ ኣማሌቅ ወለደትሉ።+ እዚኣቶም ደቂ ዓዳ ሰበይቲ ኤሳው እዮም።
-
-
ዘጸኣት 17:14መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
14 የሆዋ ድማ ንሙሴ፡ “እዚ ንመዘከርታ ኣብ መጽሓፍ ጽሓፎ፡ ንእያሱ እውን ድገመሉ፦ ‘ንዝኽሪ ኣማሌቅ ካብ ትሕቲ ሰማያት ፈጺመ ኽድምስሶ እየ’” በሎ።+
-
-
1 ሳሙኤል 15:2መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም
-
-
2 የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል፦ ‘ንኣማሌቃውያን በቲ ንእስራኤል ካብ ግብጺ ኺድይብ ከሎ ኣብ መገዲ ብምጽራር ዝገበርዎ ነገር ተሓተትቲ ኽገብሮም እየ።+
-