12 ዳዊት ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ ነቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ፈርሆ እሞ፡ “ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ከመይ ገይሩ ናባይ ኪመጽእ ይኽእል፧” በለ።+ 13 ዳዊት ከኣ ነቲ ታቦት ናብታ ዝነበራ ኸተማ ዳዊት ኣየምጽኦን። የግዳስ፡ ናብ ቤት ዖቤድ-ኤዶም እቲ ጊታዊ ኸም ዚውሰድ ገበረ። 14 ታቦት እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ድማ ምስ ቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶም ነበረ፣ ኣብ ቤቱ ኸኣ ሰለስተ ወርሒ ጸንሐ፣ የሆዋ ድማ ንቤተ ሰብ ዖቤድ-ኤዶምን ንዘለዎ ዅሉን ባረኸ።+