2 ሳሙኤል 4:4 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 4 ዮናታን+ ወዲ ሳኦል ከኣ ኣእጋሩ ዝሰንከለ* ወዲ ነበሮ።+ ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል+ ኪመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ኣልዒላቶ ሃደመት፣ ብስምባድ ክትሃድም ከላ ግና፡ ወደቐ እሞ ስንኩል ኰነ። ስሙ ኸኣ መፊቦሸት ተባህለ።+ 2 ሳሙኤል 9:13 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 13 መፊቦሸት ድማ ወትሩ ኣብ መኣዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ እሞ፡ ኣብ የሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፣+ ክልቲኡ እግሩ ኸኣ ስንኩል ነበረ።+ 2 ሳሙኤል 19:26 መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም 26 ንሱ ኸኣ፡ “ጐይታይ ንጉስ፡ ጊልያይ ኣታሊሉኒ።+ ጊልያኻ ስንኩል ስለ ዝዀነስ፡+ ‘ኣድጊ ጽዒነ፡ ተወጢሐያ ምስ ንጉስ ክኸይድ’ ኢሉ ነይሩ።
4 ዮናታን+ ወዲ ሳኦል ከኣ ኣእጋሩ ዝሰንከለ* ወዲ ነበሮ።+ ንሱ እቲ ወረ ሳኦልን ዮናታንን ካብ ይዝርኤል+ ኪመጽእ ከሎ፡ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት ነበረ። መጕዚቱ ድማ ኣልዒላቶ ሃደመት፣ ብስምባድ ክትሃድም ከላ ግና፡ ወደቐ እሞ ስንኩል ኰነ። ስሙ ኸኣ መፊቦሸት ተባህለ።+