17 ኣሒቶፌል ድማ ንኣቤሴሎም ከምዚ በሎ፦ “በጃኻ፡ 12,000 ሰብኡት ሓርየስ፡ ተንሲአ ደድሕሪ ዳዊት ክስዕብ። 2 ደኺሙን ረሸሽ ኢሉን ከሎ+ ኸኣ ድንገት ክወድቆ እሞ ኸሰምብዶ፣ ኵሉ እቲ ምስኡ ዘሎ ህዝቢ ድማ ይሃድም፣ ኣነ እውን ንንጉስ ጥራይ እቐትሎ።+ 3 ንዅሉ ህዝቢ ኸኣ ናባኻ እመልሶ። ምምላስ ኵሉ እቲ ህዝብስ ኣብቲ ነቲ እትደልዮ ዘለኻ ሰብኣይ ዜጋጥሞ እዩ ዚምርኰስ። ሽዑ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ሰላም ኪኸውን እዩ።”